Monday , May 20 2024
Credit: Henrik Montgomery/TT

“ተወጢኑ ዝነበረ መጥቃዕቲ ራዕዲ ተዓጊቱ’ሎ”–ኡልፍ ክሪስተርሾን

ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሾን፡ ህዝቢ ንቡር ህይወቱ ብዘይ ምንም ሻቕላ ክቕጽል፡ እንተኾነ ግን ገለ ምንቅስቓስ
ግብረሽበራውያን ከይህሉ ብንቕሓት ከባቢኡ ክሕሉ ጸዊዑ። ክሪስተርሾን ነዚ ዝገለጸ፡ ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን–“ሳፖ”– ደረጃ
ሃገራዊ መጠንቀቕታ ግብረሽበራ ክብ ከብል ድሕሪ ምውሳኑ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ’ዩ። ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን ሳፖ፡ ደረጃ
ሃገራዊ መጠንቀቕታ ግብረሽበራ ብሓሙሽተ ደረጃታት ካብ 3 ናብ 4 ክብ ኣቢልዎ’ሎ። እዚ ድማ ልዑል ሓደጋ መጥቃዕቲ
ግብረሽበራ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ። ሓለቓ ሳፖ ሻርሎት ቦን ኤሰን፡ እቲ ውሳነ ኣብ ሓደ ፍጻመ ወይ ጭቡጥ ስግኣት ዝተመርኮሰ
ከም ዘይኮነ፡ እንታይ ደኣ ንነዊሕ እዋን ንኹነታት ጸጥታ ዝምልከት ኣጠቓላላኢ ገምጋም ምዃኑ እያ ትገልጽ። ደረጃ መጠንቀቕታ
ክብ ክብል ዝተገብረሉ ምኽንያት ፡ ኣብያተ መዚ መንግስትን ካልኦት ኣካላት ሕብረተሰብን ነዚ እኹል ምድላዋት ንኽገብሩ፥
ከምኡ’ውን ስርሒታቶም ብምትዕርራይ ክወርድ ዝኽእል ሳዕቤናት ንምንካይ እዩ።
መንግስቲ ሽወደን ብሕገ-መንግስቲ ዝሕሎ ሕግታት ናጽነት ምዝራብን ምእካብን እታ ሃገር ኣጥቢቑ ዘኽብር እኳ እንተኾነ፡
ተኸተልቲ ምስልምና ኣዝዮም ዘኽብርዎ መጽሓፍ ቊርኣን ምቅጻልን ምርኻስን ከኣ ዝዂነን ተግባር ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
መንግስቲ ሽወደን ብዴሞክራሲን ነጻነትን ንዝመሓደር ስርዓት ስግኣት ዝኾኑ ባእታታ ብተጠንቀቕ ይከታተል ምህላዉ፥
ንዲሞክራስያዊ ክብርታቱ ኸኣኣ ብመትከል ከም ዝጣበቐሉ ገሊጹ። ከም እኒ ሳፖን ፖሊስን ዝኣመሰሉ ሰበ-መዚ፡ ድሕነት
ሽወደን ንምርግጋጽ ኣበርቲዖም ይሰርሑ ከምዘለዉ ዝገልጸ ክሪተርሾን፡ ተወጢኑ ዝነበረ መጥቃዕቲ ራዕዲ ከምዝተዓገተ ወሲኹ
ኣመልኪቱ። ሽወደን ኣብ ዝተወሰኑ ኩነታት ቅዱሳን ጽሑፋት ምንዳድ ዘጠቓልል ተቓውሞታት ደው ንምባል ዝሕግዝ ሕጋዊ
መገድታት ክትድህስስ ቃል ኣትያ ኣላ፡፡ ይዂንምበር ዝበዝሑ ኣባላት ባይቶ ነዚ እማመ ብብርቱዕ ተቓዊሞም ኣለዉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ጎረቤት ሃገር ዴንማርክ ዝርከብ ትካል ስለያ ፒኢቲ፡ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምቅጻል ቁርኣን
ኣብቲ ሃገር ዝጸንሐ ስግኣት ግብረሸብራ ከምዘዕበዮ እንተኾነ ግና፡ ደረጃ መጠንቀቕታ ግብረሽበራ ካብቲ ሕጂ ዘለዎ 4 ብ5 ደረጃ
ንምዕባይ መደብ ከምዘይብሉ ገሊጹ’ሎ። .

 

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com