Saturday , May 18 2024
ABC shows co-host Whoopi Goldberg (Jenny Anderson/ABC via AP) NYET315

ተዋሳኢት ሆሊዉድ፡ ዉፒ ጎልድበርግ፡ ብርቱዕ ነቐፌታ ወሪድዋ

ህብብቲ ጸላም ተዋሳኢት ሆሊውድ፡ ዉፒ ጎልድበርግ፡ ኣብ ሓደ ናይ ተሌቪዥን መደብ፡ ቀሪባ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቲ Holocaust እናተባህለ ዝጽዋዕን ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝወረደን ጃምላዊ ህልቂት ምስ ዓሌትነት ዘራኽብ ነጥቢ የብሉን ብምባላ፡ ብርቱዕ ነቐፌታ ይወርዳ፡ ምህላዋ BBC ሓቢራ።

ንሳ፡ ፈጻሚ ጃምላዊ ህልቂትን እቲ ግዳይን ክልቲኦም ጸዓዱ እዮም ብምባል ምንም ዓሌታዊ መሰረት ከም ዘይብሉ እያ ክትገልጽ ፈቲና። እንተኾነ ግና ሃንዳሲ ህልቂት ኣይሁድ ዝነበረ ኣዶልፍ ሂትለር፡ ዓሌት መሰረት ብዝገበረ ስነሓሳብ፡ 6 ሚልዮን ኣይሁድ ክሃልቊ ምግባሩ ብምክርኻር ብብርቱዕ ክነቕፍዋ ተራእዮም ኣለዉ።

ብድሕሪ’ዚ፡ ካብ’ቲ እትዓየሉ ዝነበረት ናይ ABC ቶክሾው ክትድስክል ከም እተገብረት ተገሊጹ። ብሰንኪ እዚ ንሰማዕታ ባህ ዘየበለ ርእይቶኣ ድማ ንኽልተ ሳምንታት ካብቲ ፕሮግራም ክትእገድ ምውሳኑ ገሊጹ’ሎ። ንሳ ነቲ ርእይቶኣ እኳ እንተሰሓበቶ እንታይ ማለታ ንምብራህ ብዝገበረቶ ፈተነ ተወሳኺ ከቢድ ነቐፌታ ዘውረደላ ጌጋታት ምፍጻማ ተገሊጹ’ሎ።

66 ዝዕድሜኣን ተዓዋቲት ኦስካርን ዉፒ፡ ጸኒሓ ጌጋኣ ተኣሚና ይቕረታ ሓቲታ’ላ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com