Friday , May 17 2024

ተዋሳኢት ቢግ ብራዘር ኒኪ ግራሃም ዓሪፋ

ተዋሳኢት ተኸታታሊት ፊልም ተሌቪዥን “ቢግ ብራዘር” ኒኪ ግራሃም ኣብ መበል 38 ዓመታ ዓሪፋ። ብዘይስሩዕ ኣመጋግባ ክትሳቐ ዝጸንሐት ኒኪ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሆስፒታል ክትእለ እያ ጸኒሓ።

ማናጀር ኒኪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ኒኪ ዝሓለፈ ዓርቢ ምሟታ እንክገልጽ ዓቢ ሓዘን ይስማዓኒ ኢሉ።

“ሞት ኒኪ ግራሃም ኣመና እዩ ኣሰቢዱንን ኣሕዚኑንን፥ ኒኪ ዋዛ ዘይፍለያን ምጭውትን ተዋሳኢት እያ ኔራ። ንቤተሰባን መሓዙታን ምጽንናዕ እምነ” ክትብል ኣብ ቢግ ብራዘር ኣቕራቢ ፕሮግራም ዝነበረት ዳቪና ማክኮል ገሊጻ’ላ።

ካብ ኖርዝዌስት ላንደን እትውለድ ግራሃም ኣብ ሻብዓይ ተኸታታሊ ክፋል ቢግ ብራዘር ዓብዪ ተራ ከም እተጻወተት ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com