Monday , May 20 2024
(AP Photo/Burhan Ozbilici) ANK128

ቱርኪ ን ኣባልነት ኔቶ ብድምጺ ክትእግድ ከም እትኽእል ኣጠንቂቓ።

ቱርኪ፡ ሕቶ ኣባልነት ኔቶ ሽወደንን ፊንላንድን ከም እትቃወም ኣፍሊጣ። ሽወደን፡ ንመንግስቲ ቱርኪ ዝቃወሙ “ግብረሽበራውያን’ ጒጅለታት ተዕቊብ እያ፡ ብምባል እያ ቱርክ ነዚ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፋ ዘላ።

ሽወደን፡ ምስ ገለ ሃገራውያን ተቓለስቲ ኲርድ ምድንጋጽ ተርኢ እያ፡ ክብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም ዳይረክተር ትካል መጽናዕቲ ቱርክ፡ ፖል ለቪን ይገልጽ። ሽወደን ኣባል ኔቶ ክትከውን እንተኾይና፡ ናይ ቱርክ ሓዊስካ ፍቓድ 29 ኣባል ሃገራት እቲ ውድብ ክትረክብ ከድልያ እዩ። ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንድ፡ ትማል ሰሉስ ን ኣገልግሎት ዜና TT ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ኣብ መንጎ ቱርክን ሽወደንን ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪታት ይካየዱ ምህላዎም እኳ እንተጠቐሰት፡ ካልእ ምንም ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቘጢባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com