Friday , May 17 2024
A woman infected with the COVID-19 virus lays on a medical chair in the Iben El Jazzar hospital in Kairouan, Tunisia, (Photo/Aimen Othmani) TUN103

ቱኒዝያ፡ ኲነታት ኮቪድ ኣዝዩ እናኸፍአ ይመጽእ

ኣብ ቱኒዝያ ዘሎ ኲነታት ኮቪድ፡ ኣብ ኣመና ሕማቕ ኲነታት ብምብጽሑ፡ ንስርዓተ ጥዕና እታ ሃገር ዳርጋ ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ከም ዝገበሮ ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ሓቢሩ።

ቱኒዝያ፡ ልዑል መጠን መልከፍቲ ኮቪድ ከተርኢ ምጽንሓ፡ ዝገለጸ ጸብጻብ ቢቢሲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ጥራይ ኣስታት 10 ሽሕ ሕሙማት ከም እተረኽቡን 134 ድማ ከም ዝሞቱን ከም ኣብነት ኣቕሪቡ። ኣብ ፈቐዶ ክፍላት እታ ሃገር፡ ናይ ጎልጎል ሆስፒታላት እኳ እንተተሃንጸ፡ ነቲ ሽግር ፈጺሙ ዝዳረግ ከም ዘይኮነ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ይገልጽ። ሰራሕተኛታት ዘየቋርጽ ኣገልግሎት ይህቡ ብምህላዎም ጨሪሶም ከም እተዳኽሙ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ብሰንኪ ዋሕዲ ስታፍ፡ ሕሙማት ዝኣልዮም ከም እተሳእነ ወሲኹ ኣመልኪቱ።

ኦክሲጂን፡ ክንቅርብ ኣብ ቃልሲ ንርከብ ኣሎና ክብል ኣፈኛ እቲ ሚኒስትሪ፡ ኒሳፍ ቤን ዓላያ፡ ይገልጽ። ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘሎ መጠን ክታባት፡ ኣብ ዝተሓተ ደረጃኡ ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብሓገዝ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ብዝውሰድ ናይ ኮቫክስ ተበግሶ ክትባት ክሰፍሕ እዩ ዝብል ተስፋ ምህላዉ ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ዘሎ መጠን ለበዳ፡ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኲነታት ምህላዉን ዝገደደ ከይክሰት ስግኣት ከም ዘለዎን እቲ ውድብ ወሲኹ ይሕብር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com