Friday , May 17 2024

ቲግኒል፡ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ስቶክሆልም ጫፍ ከምዝበጽሐ ምልክታት ይሕብር።

ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ጫፍ ከምዝበጽሐን ብዝያድ ድማ ኣብ ዝቕጽል ክልተ መዓልታት ከፍልጥ ምዃኑን ምልክታት ሓቢሮም ክብል ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ተመራማሪ ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንዲሽ ቲግኒል ሓቢሩ። ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ጫፍ በጺሑ ማለት፡ ብቫረስ ኮሮና ዝልከፉ ሰባት ቁጽሮም እናወሓደ ክመጽእ ማለት እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝረአ ዘሎ ቁጽሪ ብዝሒ ብሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ዘለዉ ሰባት ንጹር ስእሊ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሳምንታት ዝነበረ ናይ ለበዳ ኩነታት የርእየና ክብል ቲግኒል ንሬድዩ ኢኮት ሓቢሩ። ኣገልግሎት ጥዕና ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ፡ ብሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ቁጽሮም 401 ከም ዝበጽሐ ሓቢሩ።

ብዝሒ ቁጽሪ ናይቶም ብሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ዕጽፊ ናይዚ ዝሕበር ዘሎ እዩ ክትብል ማዕከን ሓበሬታ ሽወደን TT ትማሊ ሓቢራ ከምዝነበረትን ነቲ ዘቃለሐቶ ሓበሬታ ዝድግፍ ሳይነሳዊ መርትዖታት ከምዘይብላ ድማ ተመሊሳ ከምዝሓበረት ተፈሊጡ። ሓበሬታ ናይቶም ብሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ዘለዉ ሰባት ካብቲ ዝሓለፈ እዋናት ሕጂ ብቕልጡፍ ይበጽሓና ኣሎ ከምዝበለ ንኣገልግሎት ጥዕና ዝሃቦ መግለጺ መሰረት ብምግባር ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ኣቃሊሓ። ሓበሬታ ኣብ ምትሕልላፍ ቅሩብ ምድኑጋያት እንተተራእየ፡ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ዝነበረ ዝሓሸ ምዃኑ ቲግኒል ንሬድዩ ሽወድን ሓቢሩ።

ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት 500 በጺሑ ይበሃል ንዝብል ሓበሬታ ከምዚ ክብል መሊስሉ፡ ነዚ ቁጽሪ ክትኣምኖ ኣሸጋሪ እዩ፡ ብሰንኪ ናይ ሓደ ወይ ክልተ መዓልታት ምድግጓያት ናይ ሓበሬታ እቲ ፍልሊ ናይ ዓሰርተታት እዩ ክኸውን ዝኽእል ክብል ቲግኒል መሊሱ። ኣብ ሽወደን እቶም ቀንዲ ግዳያት ናይዚ ሕማም ኮይኖም ዘለዉ እቶም ካብ 80 ክሳብ 85 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ሽማግለታት እዮም። እዚ ድማ ንብዝሒ ቑጽሪ ናይቶም ዝሞቱ ሰባት ተቖጻጺሩ ይርከብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com