Saturday , May 18 2024

ቲግኒል፡ መጠን ወሰኽ ለበዳ ቫይረስ ብዓቢ ደረጃ ከምዝነክየ ይሕብር።

ብሰሉስ ዝተመዝገበ መጠን ወሰኽ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣመልኪቱ ስክፍታ ዝመልኦ ተስፋ ከምዘሎ ኣማኻሪ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝኾነ ኣንድሽ ቲግኒል ገሊጹ። ዝሓለፈ ሰሙን ዝነበረ መጠን ወስኽ ብዝሒ ብቫይረስ ናይ ዝተለኽፉ ሰባት ክነጻጸር እንከሎ፡ ሎሚ ብዓቢ ደረጃ ነክዩ ክብል ንጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ። ኣብ ትሕቲ ኣሃዱ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከቡ ትሕቲ 1 ሽሕ ሕሙማት ኣለውና። ብመንጽሩ ድማ ብዝሒ ናይተን ኣሃዱታት ይውስኽ ኣሎ። ኣብቲ ሎሚ ዝተኻየድ ጋዜጣዊ ዋዕላ ንብዝሒ ዝሞቱ ሰባት ኣመልኪቱ ቲግኒል ከምዚ ይብል፦ ብዝሒ ዝሞቱ ሕሙማት 1033 በጺሑ’ኳ እንተሃለው፡ እቲ መጠን ወሰኽ ብዝሒ ናይ ዝሞቱ ሰባት ግን ኣብዚ ሕጂ እዋን ለውጢ ዘይብሉ ኣካይዳ የርእየና ምህላዉን ምስ ዝሓለፉ እዋናት ከነነጻጽሮ እንከለና ድማ ዝሓሸ ይመስል።

ይኹን እምበር እዚ ናይ ሞት ኣጋጣሚታት ኣብ ቀረባ ዘቋርጽ ኣይኮነን፡ ንውሕ ዝበለ ግዜ ክወስድ እዩ ክብል ንጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ። ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ውን መጠን ወሰኽ ብዝሒ ልኹፋት ቫይረስ ካብቲ ኣብ መጀመርያ ሳምንታት ዝነበረ ብዓቢ ደረጃ ከምዝነከየን እቲ ለበዳ ግን ጌና ከምዘየቋረጸ ብምውሳኽ ሓቢሩ። “ብዕለት 10 ሚያዝያ፡ መጠን ወሰኽ ለበዳ ቫይረስ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ክንኪ ንምነ ኪልካ ኔርካ’ሞ ለበዳ ቫይረስ ካብ ዕለት 17 ሚያዝያ ጀሚሩ ምንካይ ከርእየና ድዩ?” ክትብል እታ ጋዜጣ ሓቲታ ኣብዚ ሰሙን’ዚ መጠን ለበዳ ቫይረስ ጎዲሉ ኣሎ።

ዝቕጽል ሰሙን ድማ እዚ ምጉዳል ክቕጽል ተስፋ ንገብር ክብል መሊሱ። ብዛዕባ እዚ ቫይረስ ባህርያቱ ብምልዋጥ ሓደገኛ ናይ ምዃን ተኽእልኡ ኣመልኪቱ ድማ ከምዚ ይብል፦ ሓደ ካብ እንስሳታት ናብ ሰብ ዝተሰጋገረ ቫይረስ ኣብ ከምዚ ሓጺር እዋን ባህርያቱ ክቕይር ኣይክእልን እዩ። ባህርያቱ ንኽቕይር ነዊሕ ግዜ እዩ ዝወስደሉ። እንተ ዘስዕቦ መጠን ሞት ግን ኣይቕይርን እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com