Tuesday , May 14 2024

ቲግኒል፡ ዶባትና ንሓጺር እዋን ምዕጻው ኣገዳሲ እዩ ይብል

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ምስ ኖርወይ ዘራኽበና ዶብ፡ ንሓጺር እዋን ምዕጻው፡ ኣገዳሲ እዩ ክብል ኣማኻሪ ሽወደን ኣብ ጉዳያት ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንዲሽ ቲግኒል፡ ርእይትኡ ከምዝገለጸ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወቕቲ ቀውዒ፡ ቲግኒል፡ ንጉዳይ ምዕጻው ዶባት ኣመልኪቱ ተቛወሞ የርኢ ከምዝነበረ ይዝከር።

መንግስቲ ሽወደን፡ ካብ ሎሚ ሰኑይ 25/01/2021 ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን፡ ንሽወደን ምስ ኖርወይ ዘራኽባ ዶብ ከምዝዓጸወ ኣፍሊጡ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ምስፍሕፋሕ ናይቲ ንፈለማ እዋን፡ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተራእየ ሓድሽ ዓሌት ኮሮና ቫይረስ እናወሰኸ ብምምጽኡ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሚካኤል ዳምቤሪ፡ ብጀካ ዜጋታት ሽወደን፡ ካልኦት ዜጋታት፡ ካብ ኖርወይ ናብ ሽወደን ክኣትዉ ከምዘይፍቀድ ሓቢሩ። እዚ መምርሒ፡ ካብ ትማሊ ሰንበት 24/01/2021 ክሳብ 14/02/2021 ዝጸንሕ ኮይኑ፡ ናይ ምንዋሕ ተኽእሎታት ዘለዎ ምዃኑ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

እዚ ሓድሽ መምርሒ፡ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ካብ ሃገረ ዴኒማርክ ናብ ሽወደን ዝኣትው ዜጋታት ዝመሳሰል እዩ።  

እዚ መምርሒ፡ ነቶም ኣብ ሽወደን ዝነበሩ ወይ ዝሰርሑ፡ ንብረት ዘጓዓዕዙ፡ ኣብ ካልእ ናይ መጓዓዝያ ጽላታት ዝሰርሑን ብህጹጽ ዝኾነ ናይ ስድራቤት ምኽንያት ናብ ሽወደን ዝኣትዉ ከምዘየጠቓልል ተሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com