Monday , May 20 2024

ታሕሳስ 2019 ኣብ ሽወደን ዝበዝሓ መካይን እተመዝገባላ ዕለት ተባሂላ ክብረ ወሰን ሒዛ።

ብመሰረት ኣሃዛት BIL ሽወደን ታሕሳስ 2019 ብዙሓት ሓደስቲ መካይን ዝተመዝገባላ ተባሂላ ክብረ ወሰን ምሓዛ ተገሊጹ። BIL ሽወደን ኣብ መካይን ንግድ ኣተኲሩ ዝሰርሕ ትካል እዩ። ብመሰረት እዞም ኣሃዛት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 335 ሽሕ መካይን ምምዝጋበንን እዚ ድማ ምስ ናይ 2018 እንክወዳደር ብ 5 ሚእታዊት ከም ዝዓቢ ተመልኪቱ።

“ብዙሓት ሰባት ቀረጽ መካይን ንምውጋድን ነዚ ዕድል ብምጥቃምን መካይኖም የመዝግቡ ኣለዉ” ክትብል ዳይረክተር BIL ሽወደን ጀሲካ ኣሌኖይ ሓቢራ። እዚ ብዝሒ ዘልዎ ምዝገባ ዝተኸስተሉ ምኽንያት መንግስቲ ካብ ሓድሽ ዓመት ኣትሒዙ ጽንክር ዝበለ መርመራ ምህላኽ ነዳዲን ካልእን ከተኣታቱ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባሩ እዩ። ዝስዕባ ኣብ 2019 ኣሃዛት ምዝገባ መካይን እነሀዋ። ሓደስቲ እተመዝገባ መካይን 335 704 ዝምላኣ መካይን ብሚእታዊት 11.4% ሓደስቲ እተመዝገባ ፈኰስቲ መካይብ ጽዕነት 53347 ከበድቲ መካይን 6642


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com