Sunday , May 19 2024

ታሪኻዊት ጋንታ ሊድስ ዩናይትድ ናብ ፕሪመር ሊግ ትምለስ

ታሪኻዊት ጋንታ ሊድስ ዩናይትድ ድሕሪ ናይ 16 ዓመት ጻንሖት ኣብ ታሕተዋይ ድቪዝዮን ብ ሙኹር ኣርጀንቲናዊ ኣስልጣኒ ፍሉይ ቅዲ ዝክተልን ታክትሻን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማርሴሎ ቢዬልሳ ተሓጊዛ ናብ ንነዊሕ ግዜን ሽማ ዘጸውዓትሉ ትምለስ ዘላ። ሊድስ ነዚ ዘረጋገጸት ትማሊ ቀንዲ መተሃላለክታ ዝነብረት ዌትስ ብሮ ብ በሃድስፊልድ ታዎን 2 ብ 1 ድሕሪ ምስዓራ ብ ኣርባዕተ ነጥቢን ብ ሓደ ጸወታ ጎደሎ ብ 87 ነጥቢ ነዚ ንኽዛዘም ጋንታታት ከክልተ ጸወታ ተሪፍዎ ዘሎ ድቭዝዮን ትመርሖ ዘላ።

ከምዝፈለጥ ሊድስ ዩናይትድ ኣብ 2004 ዝተመልሰት ኮይኑ ሊድስ ዩናይትድ ኣብ ግዚ`ኣ፡ሓንቲ ካብተን ኣብ ፕሪመር ሊግ ሓያልን፡ተወዳዳሪትን ጋንታ ከም ዝነበረትን፡ኩኖ ኣብ ፕሪመርሊግ ኣብ ግጥም ቻምፕዮንስ ሊግ ካብ ዝሳተፋ ጋንታታት ፕሪመር ሊግ ምንባራ ይዝከር።ሊድስ ከም ኣላን ሲምዝ፡ቬዱካ፡ሃሪ ኪዌል ከሙኡውን ሪዮ ፈርዲናንድ ምስታ ጋንታ ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ካብተን ዘይድፈራ ጋንታታት ፕሪመርሊግ ከም ዝነበረት ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com