Friday , May 17 2024

ትሑት እቶት ዘለዎም ሰባት፡ ብኮሮና ናይ ምሟት ተኽእሎኦም ዝለዓለ ምዃኑ ተገሊጹ

ማእከል ሕማማት ለበዳን ማሕበራዊ መድሃኒትን ኣብ ዘውጽኦ ናይ ቀረባ እዋን መጽናዕቲ፡  መጠን ኣታዊ ናይ ሓደ ሰብን ዝነብረሉ ቦታን ንመልከፍቲ ኮሮና ናይ ምቅላዕ ተኽእልኡ ከምዝጸልዎ ሓቢሩ።

ትሑት ኣታዊታት ዘለዎም፡ ምስ ልዑል ኣታዊታት ዘለዎም ሰባት ክነጻጸሩ እንከለዉ፡  ብኣርባዕተ ዕጽፊ ዝልዕል፡ ናይ ምሟት ተኽእሎ ከም ዘለዎም ነቲ መጽናዕቲ ብምጥቃስ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

መጠን ኣታዊታት፡ ክሳብ ክንድዚ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ከም ዘይነበሮ ዝሓበረ ኣዳልዊ እቲ መጽናዕቲ፡ ኣንቷን ሉገር፡ ሃብታማትን ድኻታትን ብዝተፈላለየ ኣገባብ በዚ ሕማም ከም ዝጽለዉ ብዘየወላውል በቲ መጽናዕቲ ከም እተረጋገጸ ኣስሚሩሉ።

እዚ መጽናዕቲ፡ ንከተማ ስቶክሆልም፡ ኣብ ኣስታት 1400 ተቐማጦ ዘለዉወን 170 ናእሽቱ ማሕበረሰባት ብምምቃል ክሳብ ወርሒ ሓምለ  ከም እተኻየደን፡ ጽልዋ ናይዚ ሕማም ብዝተፈላለዩ ረቛሒታት (ከም ጾታ፡ ደረጃ ትምህርቲ፡ ስራሕ፡ ኣታዊን ሕዱር ሕማምን) ኣብ ግምት ብምእታው፡ ተመራመርቲ፡ ክርዳዎ ምፍታኖም ድማ ኣመልኪቱ።

ቁጠባዊ ኩነታት፡ ኣዝዩ ርኡይ ጽልዋ ከም ዘለዎ ብዘየወላውል ምርግጋጹ ድማ ኣብ ኡሚያ (Umeå)  ኡርባን ያንለርት (Urban Yanlert ) ዝምህር በዓልሞያ መድሃኒት ዝኾነ ፕሮፈሶር ገሊጹ።

እዚ ዝተረኽበ ናይ መጽናዕቲ ውጽኢት፡ ድኻታት ዝተፈልየ ኣቓልቦን ክንክንን ክወሃቦም ዝድርኽ ክኸውን እዩ ክትብል ኣብ ኦፕሳላ ዩኒቨርሲቲ መምህር ማሕበራዊ መድሃኒት ዝኾነት ፕሮፌሰር፡ ኣና ሳርድኪ፡ ትገልጽ።

እዚ መጋደዲ ረቓሒ መግቢ ድዩ ወይስ እተጨቓጨቐ መንብሮ ክንምርምሮን መፍትሒኡ ከነናዲን ከድልየና እዩ ድማ ኢላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com