Friday , May 17 2024
En ampull med Comirnaty vaccin blandas och laddas i sprutor under Fas 2 vaccinationen på Vårdcentralen i Limhamn på fredagen. Comirnaty är det officiella namnet på mRNA vaccinet från Pfizer/ BioNTech. Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ኣብ ዝኽተብሉ እዋንን ከጋጥሙ ዝኽእሉ ብድሆታትን

ምምሕዳራት ሽወደን፡ ካብ ዕለት 19 ነሓሰ ጀሚረን፡ ነቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 16 ን 17 ዓመት ዘለዉ መንእሰያት፡ ክኸትባ ክጅምራ ምዃነን መደብ ሒዘን እኳ እንተሃለዋ፡ እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ትሕቲ ዕድመ ብምዃኖም፡ ንክኽተቡ ናይ ወለዶም ፍቓድ ከድልይ ድዩ ወይስ ባዕላቶም ክውስኑ ይኽእሉ ንዝብል ምጉት፡ መዕለቢ ክረኽባሉ ይግባእ ክብል ሬድዮ ኢኮት ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት፡ እዘን ምምሕዳራት፡ ዝተፈላለየ ዓይነት ኣተሓሕዛ ከምዝጥቀማ እቲ ሬድዮ ገሊጹ ኣሎ።

ምምሕዳር ኡፕሳላ፡ ብስለት ናይዞም መንእሰያት ብምግምጋም ንመስርሕ ክታበት ከተተግብር ምዃና ድሕሪ ምሕባር፡ ብብስለት ናይዞም መንእሰያት እንተዘይዓጊቦም ድማ ፍቓድ ወለዲ ክሓቱ ምዃኖም ገሊጻ።

ምምሕዳራት ካልማርን ኦስተርዮትላንድን፡ ነዞም ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ንምኽታብ፡ ፌርማ ናይ ወለዲ ክሓታ ምዃነን ገሊጸን።

በዓል መዚ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን፡ ኣብ መጨረሽታ ናይ ወርሒ ሰነ፡ ነቶም ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት፡ ክታበት ክሮና ንክኽተቡ መምርሒ ኣውጺኡ። እዞም መንእሰያት፡ በቲ ንደቂ 12 ዓመት ክኽተብዎ ከምዝኽእሉ ፍቓድ ረኺቡ ዘሎ ፍርያት ኩባንያ ፋይዘር/ቢዮንቴክ ዝኾነ ክታበት ክኽተቡ ምዃኖም፡ እቲ በዓል መዚ፡ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com