Friday , May 17 2024
Hoover Dam, (AP Photo/Richard Vogel,File) LA323

ትሕዝቶ ማይ፡ ዲጋ ሁቨር፡ ናብ ዝተሓተ ደረጃኡ ወሪዱ

ኣብ ኣመሪካ፡ ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ ዲጋ ሁቨር፡ ትሕዝቶ ማዩ ኣብ ዝተሓተ ደረጃኡ ከም ዝርከብ ሰብመዚ’ታ ሃገር ገሊጾም ኣለዉ። ኣብ ዶባት ኔቫዳን ኣሪዞናን ዝርከብ ዲጋ፡ ትሕዝቶ ማዩ ናብ 326.6 ሜትሮ ምጒዳሉን ካብ ዓመተ 2000 ንደሓር፡ ከባቢ 45 ሜትሮ ካብ ትሕዝቶኡ ምጥፋኡን ተመልኪቱ።

ዲጋ ሁቨር፡ ን20 ሚልዮን ዝኾኑ ተቐማጦ ከተማታት ሎስ ኣንጀለስን ላስ ቬጋስን ካልኦትን ከም ዘገልግል ይፍለጥ። “ሰባት በዚ ክስተት ተሻቒሎም ኣለዉ” ክትብል ኣፈኛ ትካል ሪክላሜሽን፡ ፓቲ ኣሮን፡ ንኣሶሼትድ ፕረስ ሓቢራ’ላ።

ክሳብ ወርሒ ሕዳር ዘሎ ግዜ፡ እናጐደለ ድሕሪ ምኻዱ፡ ካብኡ ንደሓር ክመልእ ክጅምር እዩ ዝብል ግምት ኣሎና ክትብል ወሲኻ ገሊጻ። ኣብ ዲጋ ሁቨር ዝርከብ፡ ቀላይ ሚድ፡ ኣብ 1930ታት ከም እተሃንጸ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com