Saturday , May 18 2024

ትካል መኪና ቮልቮ ኣብ ዓለም ዝለዓለ ዕብየት መሸጣ መካይን ኣርእዩ።

ዕብየት መሸጥ መካይን ትካል ቮልቮ ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ብ7.4% ወሲኹ 507,704 ከም ዝሸጠን ዝሓለፈ ዓመት ኣብዚ ግዜ’ዚ 472553 ተሽከርከርቲ ሸይጡ ከምዝነበረ ይዝከር። እዚ ዕብየት ድማ ብሰንኪ ምውሳኽ ጠለብ ናይ ፖሊስ (V60) ዝዓይነተን መካይን ኮይኑ ጠለቦም ብ481% ብምዝያድ ካብ 6619 ናብ 38508 መካይን ክብ ኢሉ። ሞዴል (S60) ዝዓይነተን ፍርያት ቮልቮ ዝኾና መካይን ሽያጠን ብ100% ብምውሳኽ ብዝሒ 17712 መካይን ተሸይጠን።

ሞዴል (XC60) ዝዓይነተን መካይን ብዝሒ መሸጠአን ብ7.8% ወሲኹ። ዓሚ ኣብዚ ግዜ’ዚ 134900 መኪና ተሸይጠን። ሎሚ ዓመት ድማ 145600 መካይን ከም ዝሸጠ ሽወደናዊ ትካል ቮልቮ ሓቢሩ። ሞዴል (XC90) ዝዓይነተን መካይን ምስ ናይ ዓሚ ዝነበረ ብዝሒ መሸጣ ብምንጽጻር እዚ ዓመት ብ2.1% ወሰኽ ብምርኣይ ካብ 70329 ናብ 71830 መኪና ክብ ከምዝበለ ይሕበር። ትካል ቮልቮ ኣብ ዝሓለፈ ትሽዓተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት’ዚ 9959 ሞዴል(V60CC) ዝዓይነተን መካይን ክሸይጥ ክኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com