Friday , May 17 2024

ትግራይ፡ ብሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ግፍዕታት ክፍጸም ምርኣዩ፡ ሓደ ትካል ረድኤት ገሊጹ

ኣብ ትግራይ ዝነጥፍ ትካል ተራድኦ ሕክምና፡ MSF፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ሲቪል ተግራዎት፡ ጃምላዊ መቕተልቲ ክፍጸም፡ ኣባላቱ ከም ዝረኣዩ ገሊጹ።

ኣባላት እቲ ትካል፡ ካብ መቐለ ንዓዲግራት ኣብ ዝወስድ መንገዲ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሚኒባስ ደው ብምባል ነቶም ደቂተባዕትዮ ፈልዮም ብምውጻእ፡ ክርሽንዎም እንከለዉ ብዓይኖም ምርኣዮም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ድብያ ተፈጺሙ፡ ወተሃደራት፡ ምዉታትን ቊሱላትን ድሕሪ ምዃኖም ዝሰዓበ ምርሻን ንጹሃት ሲቪላውያን ክኸውን ከም ዝኽእልን ኣብ ጽርግያ ዝቃጸላ ዝነበራ ወተሃደራውያን መካይን ምርኣዮምን እቶም ሰራሕተኛታት ገሊጾም ኣለዉ። እቲ ትካል ኣብ እዋን ግጭት፡ ሲቪላውያን ከይጥቅዑ ለበዋኡ ኣመሓላሊፉ ምንባሩ ይዝከር።

ብሰሉስ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ዘሕለፎ ናይ ባይቶ መልእኽቱ፡ ኣብ ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ገበን ዝፈጸሙ ኣባላት ሰራዊት ብሕጊ ክሕተቱ እዮም ምባሉ ዝዝከር እዩ። ኣብ ትግራይ ብዝካየደ ዘሎ ኲናት፡ ዛጊት ኣሽሓት ሰባት ምሟቶምን ኣማኢት ኣሽሓት ካብ መነባብረኦም ምምዝባሎምን ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com