Sunday , May 19 2024

ትግራይ፡ ናውቲ ሕክምና ከም እተራሰየ ተገሊጹ

ኣብ ትግራይ ዝነበረ ትካላት ጥዕና፡ ኮነ ኢልካ፡ ክዓኑ ከም እተገብረን ዝተረፈ ድማ ከም እተራሰየን ዶክተርስ ዊዝኣውት ቦርደርስ ዝተባህለ ሰብኣዊ ጒጅለ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ካብ መፋርቕ ታሕሳስ ክሳብ መጋቢት ኣብ ዘሎ ኣዋርሕ 70% ካብተን 106 ማእከላት ጥዕና ከም ዝተራሰያ 30 ሚእታዊት ከኣ ከም ዝዓነዋ እቲ ጒጅለ ኣመልኪቱ። ዛጊት 13% ካብ ጠቕላላ ትካላት ጥዕና ጥራይ እየን ዝዓያ ዘለዋ ዝበለ እቲ ጒጅለ፡ ስእሊ ናይተን ኮነ ኢልካ ዝዓነዋን ዝተበርበሩን ትካላት ኣቕሪቡ’ሎ። ህዝቢ ትግራይ፡ ብዕንወትን ራስያን እዘን ትካላት ኣብ ከቢድ ጥዕናዊ ጸገም እዩ ዝርከብ ዘሎ ክብል ዳይረክተር ጀነራል እቲ ጒጅለ ኦሊቨር በህን ገሊጹ።

ብመሰረት ኣህጒራዊ ሕጊ፡ ኣብ እዋን ግጭት፡ ትካላት ጥዕና ሓለዋ ክግበረለን እኳ ዝግባእ እንተነበረ፡ ኣብ ትግራይ፡ እዚ ኮነ ኢልካ ክጠሓስ ተጌሩ እዩ ኢሉ። ብርክት ዝበላ ነፍሰ ጾር ኣዴታት ትግራይ ቅድመ ወሊድን ድሕረ ወሊድን ክንክን ይረኽባ የለዋን፡ ዕሸላት ከኣ ክትባት ኣይተዋህቡን ዝበለ እቲ ጒጅለ፡ ብፍላይ ሕማም ለበዳ፡ ክኽሰት ዓብዪ ስግኣት ምህላዉ ኣመልኪቱ። እዚ ጸብጻብ ኣብ ልዕሊ 6 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ወሪዱ ዘሎ ሽግርን ንሱ ኣስዒብዎ ዘሎ ሻቕላን መሊሱ ዘጋድድ እዩ።

ኣብ ትግራይ፡ እተፈጸመ ገበን፡ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝጻረየሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፡ ሰፍ ዘይብል ጸቕጢ እናወረደ ይርከብ ኣሎ። ሰራዊት ኢትዮጵያን መሻርኽቱ ዝኾኑ ሰራዊት ኤርትራን ኣምሓራን ኣብ ትግራይ እሽሓት ሰላማውያን ህዝቢ ምቕታሎምን ንብረት ምዝራፎምን ብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ጸብጺብዎ እዩ።

ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን ብወገኑ፡ ኣብ ትግራይ ምጽናት ዓሌት ይካየድ ኣሎ” ክብል መግለጺ ምሃቡ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com