Saturday , May 18 2024

ትፈልጡዶ? ብኣማኑኤል ሳህለ

1. ደቂ ክልተ ዚመሳሰሉ ማነቱ፡ ብጀነቲካዊ መገዲ ኣሕዋት እምበር ደቂ ሓወቦታት ኣይኮኑን።

2. ካብ ኩሉ ፍጡር፡ ሰብ ጥራይ እዩ እተቓመመ መግቢ ዚፈቱ።

3. ኣብ እምነት ኣይሁድ፡ ኣንበጣ ይብላዕ እዩ። ብመሰረት ቶራ (ናይ ኣይሁድ ኦሪት)፡ ቀዪሕን ብጫን ትኳዕ ዘለዎን ጻዕዳን ኣንበጣ ይብልዑ እዮም። ማለት፡ ሓላል እዮም።

4. እቲ ዝነውሐ ዕድመ ዘለዎ ሓሸራ፡ ፍልሖ እዩ።

5. ህጻን ውልድ ምስ በለ ኪበኪ ከሎ ንብዓት ኣየውጽእን እዩ፡ እቲ ናይ ንብዓት መተሓላለፊ ጌና ስለ ዘይተደኮነ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com