Friday , May 17 2024

ቻይና፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፈረዩ ክትባት፡ ትሑት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣለዎ፡ ትብል

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፈሪ ዘሎ ክታበት ኮቪድ-19፡ ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ትሑት ምዃኑ ሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ ምቊጽጻር ሕማማት ቻይና ተኣሚኑ።

ጋኦ ፉ፡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብቕዓት ናይቲ ክታበት ክብ ንምባል፡ ምስ ካልእ ባእታታት ክትሕውሶ ከም ዝኾነት እውን ሓቢሩ።

ሃገረ ቻይና፡ ፍቓድ ዝረኸቡ ኣርባዕተ ዓይነታት ክትባት ጸረ ኮሮና እኳ እንተ ኣማዕበለት፡ ዛጊት ስሉጥነት እዞም ክታበት ትሕቲ 50% ከም ዝኾነ ተገሊጹ።

ጸኒሑ ግና ጋ ኦ ፉ ዘረባኡ ብጌጋ ከም እተተርጐመ ቃል ሂቡ እዩ። ልዕሊ 100 ሚልዮን ቻይናውያን ሓደ ካብዞም ኣርባዕተ ዓይነታት ክታበታት ወሲዶም ከም ዝኾኑ እዩ ዝፍለጥ።

በንጻሩ ቤይጂንግ፡ እዞም ኣርባዕተ ክታበታት፡ ዝኾነ ዓይነት ኣበር ከም ዘይብሎምን ነዞም ክትባት ዝወሰደ በጻሒ ጥራይ ናብ ሃገራ ከተእቱ ምዃናን ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com