Friday , May 17 2024
(AP Photo/Ng Han Guan) XHG101

ቻይና: ስድራ ቤታት ክሳብ ሰለስተ ቆልዑ ክወልዳ፡ ኣፍቂዳ

 ኣብ ቻይና፡ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት፡ ክሳብ ሰለስተ ቆልዑ ክትወልድ ፍቓድ ተወሂቡ ከምዘሎ ቻይናዊ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኮሚኒስት ሰልፊ ቻይና፡ ነቲ ኣዝዩ ተሪር ናይ ብዝሒ ስድራቤት ፖሊሲኡ ከፍኩሶ ክኢሉ ኣሎ። ኣሃዛዊ ጸብጻብ ብዝሒ ህዝቢ ከም ዝሕብሮ፡ ብዝሒ ናይቶም ብዕድመ ዝድፍኡ ኣረጋውያን ሰባት፡ ብናህሪ ይዉስኽ ስለ ዘሎ፡ እዚ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ክግበር ከም ተኻእለ ሓቢሩ።

ነቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ቁጽሪ ብዝሒ ኣረጋውያን ዝዳረግ ስጉምቲ ንምውሳድ፡ ሓንቲ ስድራቤት፡ ክሳብ ሰለስተ ቆልዑ ክትወልድ ከም ዝፍቀደላ፡ ኣብቲ ብሰኑይ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ፕረዚደንት ቻይና፡ ከምኡ ኢሉ ከምዝገለጸ እቲ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com