Saturday , May 18 2024
U.S. sanctions that China is now responding to are aimed at all companies suspected of using forced labor in China's Xinjiang province (AP Photo/Mark Schiefelbein) XMAS115

ቻይና: ነቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተነብረ እገዳታት: ግብረ- መልሲ ሂባ

ቻይና ኣብ ልዕሊ 4 ዜጋታት ኣመሪካ እገዳ ኣንቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡

እዚ ስጉምቲ’ዚ፡ ነቲ ሕ. መ. ኣ. ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ሺንጅያንግ ዝግበር ዝነበረ ንጥፈታት ቻይና ንምቁጽጻር ዘንበረቶ እገዳታት ግብረ- መልሲ ንምሃብ’ዩ ተባሂሉ፡፡ ሕ.መ.ኣ. ነቶም ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝኾኑ ውሑዳት ኡጉራውያን ዓሌት ግዳይ፡ ጃምላዊ መቕተልቲ ከምዝኾኑ’ያ ትኣምን፡፡

እቶም 4 እገዳ ዝተነብረሎም ኣመሪካውያን፡ ምስ’ቲ ኣብ መላእ ዓለም፡ ንሃይማኖታዊ ናጽነት ዝምርምርን ነቲ ቻይና ንኡጉራውያን ሒዛትሉ ዘላ ኣገባብ ዝነቅፍን ኮሚተ ህዝባዊ ሃይማኖታዊ ናጽነት ሕ.መ.ኣ. ዝሰርሑ ምዃኖምን እዞም ኣመሪካውያን ናብ ቻይና ከይኣትዉ ከም ዝተኣገዱን ኣብታ ሃገር ዘለዎም ዝኾነ ዓይነት ሃብቲ ድማ ክድስክል ከምዝኾነን ውን ተገሊጹ፡፡

እዚ ሕጂ ቻይና ግብረ- መልሲ ትህበሉ ዘላ ውሳኔ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣሜሪካ፡ ብምሉእ ባይቶኣዊ ድምጺ፡ ዘጽደቐቶ ናይ እገዳ ውሳኔ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ። በዚ ድማ  ሕ.መ.ኣ. ዳርጋ ንኹሉ ካብ ሺንጅያንግ ዝኣቱ ንብረት ዝኸልከለት ናይ መጀመርታ ሃገር ከም ትኸውን ገይሩዋ ይርከብ፡ ፡

እተን ብኣስገዳድ ስራሕ፡ ኣብ ናይ ፍርያተን ረብሓ ከም ዘየውዕላ ብቑዕ መረጋገጺ ክርከበለን  ዝኸኣላ ውሑዳት ኩባንያታት ጥራይ እየን ኣብቲ እገዳ ዘይተጠቓለላ፡፡

እተን ዝተኣገዳ ኩባንያታት፡ ብሓፈሻ፡ ናይ ባዮ- ቴክኖሎጂን ናይ ሓለዋን እየን፡፡ ንኣብነት፥ ከም ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ኣፍራይ ድሮን ዝኾነ ዲ.ጀይ.ኣይ. ዝኣመሰሉ ኩባንያታት ከኣ ይርከቡወን፡፡

ካብ ውድብ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝተላእከ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፥ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኡጉራውያንን ካልኦት ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን፡ ኣብ ሽንያንግ ኣብ ዝርከቡ ማሕዩር ተዳጉኖም ከምዘለዉ፡ ከምኡውን ብዛዕባ ጭካነ ዝመልኦ ፍርዲ፡ ጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ኣገዲድካ ምንጻል ጥንሲ ከምኡ `ውን ምስቓይ ዝገልጽ ጸብጻብ ውን ተሓቲሙ ከም ዝነበረ ተፈሊጡ፡፡

ቤጂን፥ ንሃይማኖታውያን ጥሩፋት ዳግማይ ተሃድሳዊ ትምህርቲ ዝወሃበሉ መዓስከራት ከምዝኮነ ድኣ እምበር፥ ጃምላዊ ቅትለትን ምጽናት ዓሌትን ዝፍጸመሉ ቦታ ኣይኮነን ክትብል ንዝቐርበላ ክስታት ከም ዝነጸገቶ ጸብጻባት የመልክቱ፡፡

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com