Friday , May 17 2024
Malaysian singer Namewee (AP Photo/Billy Dai) TPE124

ቻይና . . . ንሓንቲ ደርፊ ኣጊዳታ

ኣብ ልዕሊ ቤይጂንግን ደገፍታን ዝሕጭጭ ትሕዝቶ ዘለዋ ደርፊ፡ ኣብ ቻይና ከም እተኣገደት ቢቢሲ ሓቢሩ።

እዛ ብቛንቋ ማንደሪን ዝተሰርሐት ደርፊ፡ ድምጻዊ ናመዊ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቻይናን ሃገራውያን ባእታታትን ሕጫጨን ነቐፌታን ዝሓዘለት ምዃና ተገሊጹ። እዛ ቪድዮ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣትሒዛ፡ ኣብ YouTube ብ 30 ሚልዮን ሰባት ከም እተራእየት እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ። “እዛ ደርፊ ንገለ ባእታታት ትትንክፍ ትኸውን እያ ዝብል ሓሳብ እኳ እንተነበረኒ ክንድዚ ዝኣክል ሰብ ክትጸሉ ትኽእል እያ ኢለ ግና ኣይተጸበኹን ክብል እቲ ድምጻዊ ገሊጹ’ሎ።

ነቲ ኣብ ህይወትና ዘጋጥመና ዘሕርቕን ተስፋኻ ዝፈታተንን ኲነታት ከባጭወሉ ደስ እዩ ዝብለኒ። ገለ ሰባት ንትሕዝቶ ግጥሚ እዛ ደርፊ ዘቖጥዕ እዩ ክብሉ ሓሳባቶም ይህቡ’ለዉ እዚ ድማ ናቶም ኣተራጒማ ዘምጽኦ እዩ ኢሉ። ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር እዚ ድምጻዊ ኣዝዩ ኣዘራራቢ እናኾነ ምምጽኡ ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com