Monday , May 20 2024
Credit: Petra Lindell/TT

“ነዊሕ ምልክታት ኮቪድ-19 እንተወሓደ ንሓደ ዓመት ክረአ ይኽእል እዩ”–ሓደ መጽናዕቲ።

ሕዱር ምዕራፍ ሕማም ኮቪድ-19 ምስ ሃድአ እቲ ምልክታት እንተወሓደ ንሓደ ዓመት ክጸንሕ ከም ዝኽእል ምልክታት ኮቪድ-19ን ሳዕቤናቱን ኣመልኪቱ ዝተኻየደ ሰፊሕ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ። እዚ ብዩሲ ሳንፍራንሲስኮ፣ ማእከላት ምቁጽጻር ሕማማትን ካልኦት ሸውዓተ ትካላትን ዝተኻየደ ናይ ሓባር መጽናዕቲ፣ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ መጽናዕቲታትብዝሰፍሐ ምልክታት እዚ ሕማም ብምትንታን ብዛዕባዝዓሞቐ ርድኢት ክህብ ክኢሉ’ሎ።

ብተወሳኺ እቲ ለበዳ ኣብ ስርዓተ ክንክን ጥዕና ኣመሪካ ዘሕደሮ ዓሚቝ ጽልዋ ኣጒሊሑ ገሊጹ’ሎ። እዚ ርኽበታት ሲዲሲ ኣብ ዝተባህለ መጽሔት ተሓቲሙ ኣሎ። ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ፡ ኣስታት 16% ኮቪድ-19 ዝተረኽቦም ሰባት፡ እንተወሓደ ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ምልክታት ተራእይዎም እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ካልኦት እቲ ምልክታት ሓንሳብ ምስ ተራእየ ጠፊኡ፡ ድሕሪ ንውሕ ዝበለ ግዜ ክምለስ ተራእዩ’ሎ። እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ ምልክታት ምግምጋም ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ተመራመርቲ ኣብ መንጎ እቶም ምምሕያሸ ዘርኣዩን ጸኒሖም ዝቕልቀሉን ጅራት ክፈላልዩ ኣኽኢልዎምኣሎ

መራሒ እዚ መጽናዕቲ ጁዋን ካርሎስ ሞንቶይ “ልሙድ ምልክታት እዚ ሕማም ክሃድኡን ድሕሪ ኣዋርሕ ዳግማይ ክቕልቀሉን ተዓዚብና። ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ መጽናዕቲ መብዛሕትኡ ግዜ ምልክታት ኣብ ዝተነጸለ ናይ ግዜ ነጥብታት እዩ ክምርምር ጸኒሑ፡ እዚ ድማ ነቲ ጭቡጥ ጾር ሕማም ከቃልሎ ወይ ብጌጋ ክገልጾ ከም ዝኽእል ይሕብር እዩ ይብል።

እቲ መጽናዕቲ መብዛሕትአን ደቀንስትዮ ዝኾነ 1,741 ተሳተፍቲ ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ኣብ መላእ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከባ ሸሞንተ ፍሉጣት ክንክን ጥዕና መርመራ Covid-19 ዝተገብረለን እየን። ሰለስተ ርብዒ ካብዘን ተመርመርቲ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፋ ክኾና እንከለዋእተን ናጻ ኢኽን እተባህላ ድሕሪኡ ዝተፈለየ ዓይነት ረኽሲ ከም ዘጋጠመን እቲ መጽናዕቲ ኣጣሊሉ’ሎ። እቶም ልሙዳት ምልክታት ክቱር ድኻም፡ ጸረርታ ኣፍንጫ፡ ሕማም ርእሲ፡ ቃንዛ ጎሮሮ፡ ሕጽረት ምስትንፋስ፡ ቃንዛ ኣፍልቢ፡ ምርሳዕን ናይ ኣእምሮ ጸገማትን ይርከብዎም።

ጁዋን ሞንቶይ፡ “ኣብ መንጎ Covid-positive and Covid-negative ጉጅለታት ኣብ ኣገባባት ምልክታት ዘሎ ዘደንቕ ተመሳሳልነት ኣዝዩ ከም ዘገረሞ ድሕሪ ምግላጽ፡ እዚ ትዕዝብቲ ድሕሪ ረኽሲ Covid ዝመጽእ ጾር ልዑል ክኸውን ከም ዝኽእል ዘመልክት ምዃኑን፥ ድሕሪ ሕማም ብዛዕባ ዝካየድ መስርሕ ሕክምናዊ ኩነታትን ብዙሕ ክንመሃር ኣኽኢሉና እዩ ክብል ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com