Saturday , May 18 2024
People queue to get tested in Times Square in New York. (AP Photo/Seth Wenig, File) NYV902

ኒው-ዮርክ . . . ክታበት ዘይወሰዱ ሰባት፡ ካብ ስራሕ ተኣጊዶም

ከተማ ኒው-ዮርክ፡ ዘይተኸትቡ ሰባት ናብ ናይ ስራሕ ቦታ ምብጻሕ ክኽልክላ ንኩለን ናይ ግሊ ኩባንያታት ጠሊቡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡

ኣስታት 184.000 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት፡ እንተወሓደ ሓደ እብረ ክታበት ኮቪድ ከም ዝወሰዱ ዘረጋግጽ መርትዖ ከቕርቡ ከምዘለዎም ተሓቢሩ፡ ፡ እቶም ድሮ ሓደ ክታበት ጥራይ ዝወሰዱ ሰራሕተኛታት ድማ፡ ነቲ ካልኣይ እብረ ክታበት ኣብ ዉሽጢ 45 መዓልታት ክወስድዎ ከም ዘለዎም መምርሒ ተዋሂብዎም ኣሎ፡፡

ኣስራሕቲ፡ ናይ ነፍወከፍ ሰራሕተኛ ናይ ክታበት ምስክር ወረቐት ከረጋግጹን ክምዝግቡን ከም ዘለዎምን ኩባንያታት ውን ንመምርሒታት ከተማ ብምኽታል፡ ነቶም መምርሒታት ኮቪድ ኣብ ዝረአ ቦታ ከቐምጣ ከም ዘለወን ተሓቢሩ፡፡

እተን በዞም መምርሒታት ኮቪድ ተቐይደን ዘይሰርሓ ኩባንያታት፡ እንተወሓደ ናይ 1.000 ዶላር መቕጻዕቲ ክብየነለን ምዃኑ ተገሊጹ፡ ፡ እንተኾነ ግን ከንቲባ `ታ ኸተማ ዝኾነ ቢል ደ ብላዝዮ፡ ኣብ ልዕሊ እዘን ኩባንያታት ዝውሰድ መቕጻዕቲ፡ እቲ ናይ መጨረሽታ ኣማራጺ ክኸውን ምዃኑ ዩ ተዛሪቡ፡፡

ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልእ ቦታታት፡ ኣብ ኒውዮርክ ውን ምስፍሕፋሕ መልከፍቲ፡ ኦሚክሮን ዝተባህለ ጅር፡ ናብ`ታ ከተማ ካብ ዛኣቱ ኣትሒዙ ኣዝዩ `ዩ ወሲኹ፡፡ ቢል ደ ብላዝዮ ቅድሚ በዓል-ልደት ተወሰኽቲ ዕጽዋታት ክርኢ ከምዘይደልን ሰባት ካብ ሆስፒታላት ከም ዘይኣትዉ ንምግባር ድማ ክታበት ምሃብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስጉምቲ ምዃኑን ገሊጹ፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com