Saturday , May 18 2024

ናሳ፡ ኣብ ማርስ ፈተነ በረራ ሄሊኮፕተር ገይሩ

ኢንጀንዩቲ እተባህለት ብማዕከን ናሳ፡ ዝተሰርሐት ሄሊኮፕተር፡ ኣብ ካልእ ፕላኔት እትበርር ፋልመይቲ ሄሊኮፕተር ክትከውን ከምዝኸኣለት፡ ናሳ፡ ሓቢሩ ክብል ጸብጻብ ቢቢሲ ብምጥቃስ፡ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እዛ ሄሊኮፕተር፡ 1.8 ኪሎግራም ዝኽብደታ ኮይና፡ ኣብ መንኰርኰር ፐርሲቨራንስ ተሓዚላ ኣብ ወርሒ የካቲት፡ ናብ ማርስ ከም ዝበጽሐት ይፍለጥ። ኢንጀንዩቲ፡ ኣብ ማርስ ክትሰርሕ ምዃና ተፈሊጡ ኣሎ።

እዛ ሄሊኮፕተር፡ ሎሚ መዓልቲ፡ ኣብ ሰማያት ፕላኔት ማርስ፡ ንኽትበርርን ንክትዓልብን ጸገም ከምዘይነበራ፡ ናሳ፡ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com