Saturday , May 18 2024
STOCKHOLOM 20210909 Anders Tegnell, statsepidemiolog, Folkhälsomyndigheten, Foto: Simon Samuelsson/ TT / kod 10510

ናብ ሽወደን ንምእታው ዘገልግሉ ሕግታት ኮቪድ፤ ንዓመታት ክቕጽሉ ተኽእሎታት ኣሎ

ናብ ሽወደን ንምእታው ዘገልግሉ ሕግታት፤ ንዓመታት ክቕጽሉ ተኽእሎታት ኣሎ ክብል ኣማኻሪ ሽወደን ኣብ ጉዳይ ተመሓላለፍቲ ሕማማት፤ ኣንደሽ ተግነል፤ ምስ ዳገንስ ንሄተር ኣብ ዘካየዶ ርክብ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ፤ ኩሎም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝስረሓሎም ምስ ኮቪድ-19 ዝተሓሓዙ መምርሒታት፤ ካብ ስራሕ ወጻኢ ክኾኑ እኳ እንተኾኑ፤ እቶም ናብ ሽወደን ንምእታው ዘገልግሉ መምርሒታት ግን፤ ብውሑዱ ክሳብ መወዳእታ ናይ ወርሒ ጥቅምቲ፤ ኣብ መስርሕ ክህልዉ ምዃኖም ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ማለት ድማ፤ ኩሎም ካብ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ወጻኢ ዝኾና ሃገራት ዝመጹ ገያሾ፤ ናብ ሽወደን ክኣትዉ ኣይክኽእሉን እዮም ማለት እዩ። ብፍሉይ ዝረኣዩ ግን ኣለዉ፤ ንሳቶም ድማ፤ እቶም ኣሉታዊ ውጽኢት መርመራ ኮቪድ ዘርእዩ፤ ካብ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ወጻኢ ዝኾና ሃገራት ዝመጹ ገያሾ እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com