Friday , May 17 2024

ናብ ሽወደን ዝኣትዉ ሰባት፡ ምስክር መርመራ ኮሮና ከምዘድልዮም ተሓቢሩ

በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ዝተረረ ቀይድታት ብምምሕልላፍ፡ ነቶም ናብ ሽወደን ዝኣትዉ ገያሾ፡ ኣሉታዊ ውጽኢት መርመራ ኮሮና ክህልዎም ከምዝግባእ ምኽሩ ኣመሓላሊፉ።

ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና፡ ካብ መንግስቲ ፍቓድ ንምርካብ፡ ሎሚ ጠለቡ ከምዘቕረበ ሬድዮ ኢኮት ሓቢሩ።

ባህርያት ናይዚ ቫይረስ ተለዋዋጢ ብምዃኑ፡ ዘይተፈልጡ ሓደስቲ ዓሌታት ቫይረስ ክህሉዉ ስለዝኽእሉ፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ዝተረረ ቀይድታት ንኸመሓላልፍ ተገዱዱ ኣሎ ክብል ሓላፊ ህዝባዊ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ዮሃን ካርልሶን፡ ሓቢሩ።

ብመሰረት ሓድሽ ቀይዲ መገሻ፡ ምስክር ውጽኢት መርመራ ኮሮና፡ ካብ 48 ሰዓታት ዘይበዝሕ ዕድመ ዘለዎ ክኸውን ወይ ድማ ናብ ሽወደን ኣብ ዝኣትውሉ እዋን መርመራ ክገብሩ ከምዝግባእ ተሓቢሩ።

እቶም ብዶብ ሽወደን ካብን ናብን ዝንቀሳቐሱ ሰራሕተኛታት፡ ካብዚ ሓድሽ ቀይዲ ነጻ ኮይኖም፡ ኣብ ሰሙን፡ ብውሑዱ ሓንሳብ፡ መርመራ ኮሮና ክገብሩ ከምዝግባእ ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com