Sunday , May 19 2024

ናብ ኤውሮፓ ዝኣተወ፡ ገዚፍ መጠን ዕጸ-ፋርስ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዩ

ካብ ደቡብ ኣሜሪካዊት ሃገር፡ ፓራግዋይ፡ ዝተበገሳ ኮንቴነራት ናብ ጀርመናዊት ከተማ ሃምቦርግን ቡልጋርያዊት ከተማ ኣንቲወርፕ ብዕለት 16/02/2021 ኣትየን። ኣብዘን ኮንቴነራት፡ ብድምር 23 ቶን ኮኬን (ዕጸ-ፋርስ)፡ ከምዝተረኽበን ክሳብ ሕጂ ናብ ኤውሮፓ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ብምውህሃድ ጀርመንን ቡልጋርያን ኣብ ቁጽጽር ዝኣተወ መጠን ዕጸ ፋርስ፡ እቲ ዝበዝሐ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ኣብ ሃምቦርግ ዝኣተወ ኮንቴነር፡ 16 ቶን ኮኬን ክተሓዝ እንከሎ፡ ኣብ ኣንትወርፕ ድማ 7.2 ቶን ኮኬን ከምዝተረኽበ ጸብጻባት ሓቢሮም። ምስዚ ጉዳይ ምትእስሳር ኣለዎ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ሰብ፡ ኣብ ሃገረ ሆላንድ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ቤት ጽሕፈት ጉምሩክ ሃምቦርግ፡ ነቲ ካብ ፓራግዋይ ዝተበገሰ፡ ብስም ታኒካታት ናይ እስቱኮ፡ ዝብል ዘይንጹር ወረቓቕቲ ድሕሪ ምዕዛቦም፡ ጥርጣሬታት ከምዘስዓበሎም ገሊጾም። ብጀካ ኮኬን፡ ኣብ 1700 ታኒካታት፡ ካልእ ንብረት ከምዝተረኽበ ውን ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com