Friday , May 17 2024

ናብ ደሴታት ካናሪ ተምርሕ ዝነበረት፡ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ፡ ትጥሕል

ናብ ደሴታት ካናሪ ተምርሕ ዝነበረት፡ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብምጥሓላ፡ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝሞቱን ዛጊት፡ ናይ ሓደ ሰብ ሬሳ ጥራይ ተረኺቡ ከምዘሎ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ እስፓኛ ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኣብታ ጃልባ፡ ኣስታት 40 ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ዝሓሸ መጻኢ ንኽደልዩ፡ ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ተበጊሶም ከምዝነበሩ ተፈጢሩ። ይኹን እምበር፡ ኣርባዕተ ሰባት፡ ክሳብ ሕጂ ሬሰኦም ዘይተረኽበ ከምዘሎ ተፈልጡ።

እቶም ዝደሓኑ ሰባት፡ ናብቲ ኣብ ደሴታት ካናሪ ዝርከብ ኣርጉነጊን (Arguineguin) ዝተባህለ ኣከባቢ ከምዝተወስዱ ተፈሊጡ።

ብዝሒ ናይቶም ናብ ደሴታት ካናሪ ዘምርሑ ስደተኛታት፡ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ ጸብጻባት ይሕብሩ።

እቲ ካብ ኣፍሪቃ ናብ እስፓኛ ዘብጽሕ ዝሓጸረ መስመር፡ እቲ ካብ ሞሮኮ ዝብገስ ኮይኑ፡ እንተኾነ ግን፡ እቲ ጉዕዞ ብጣዕሚ ሓደገኛ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ እተን ዝጓዓዙለን ጀላቡ ድማ ዝኣረጋን ልዕሊ ዓቐን ዝጸዓናን እየን።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com