Saturday , May 18 2024
Denmark's Health Minister Magnus Heunicke proposes requirements for, among other things, a negative COVID test upon entry. Foto Martin Sylvest / Ritzau Scanpix / TT / kod 93000 ref: ***BETALBILD***

ናብ ዴንማርክ ንምእታው፡ ኣሉታዊ ምስክር መርመራ ኮቪድ ክሕተት ምዃኑ ተሓቢሩ

መንግስቲ ዴንማርክ፡ ናብ ሃገሩ ዝኣትዉ ክታበት ንዝወሰዱን ዘይወሰዱን ገያሾ፡ ካብ ኮቪድ ናጻ ምዃኖም ዘረጋግጽ ናይ መርመራ ወረቐት ከቕርቡ ንኽግበር ድሌት ከምዘለዎ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ብተወሳኺ’ውን መንግስቲ ዴንማርክ፡ ነቶም ኣብ ስፖርታዊ ኣደራሻት ንጥፈታቶም ዘካይዱ ሰባት፡ ብጉዳይ ኮቪድ፡ ኣስተምህሮ ክወሃቦም ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።
እዚ ብሚኒስተር ጥዕና፡ ማግኑስ ሄውኒከ፡ ዝቐረበ እማመ፡ ቅድሚ ምትግባሩ፡ Folketing’s Epidemic Committee ብዝባሃል ኣካል ኣቢሉ ክጸድቕ ክኽእል ከምዘለዎ ተገሊጹ’ሎ።
ቅድሚ እዚ ሓድሽ ዓመት፡ ኣብ ክሊ ዕድመታት 18 ክሳብ 39 ዓመት ዝርከቡ ሰባት፡ እቲ 3ይ እብረ ክትባት ክወስዱሉ ክኽእሉ እዮም።
ንኻልኣይ ተኸታታሊ ግዜ፡ ልዕሊ 13,000 ሰባት ኣብ ዴንማርክ ብኮቪድ ዝተለኽፉ ሕሙማት ከም ዝተመዝገቡ ተፈሊጡ።
“እዚ ኣዝዩ ዓቢ ቑጽሪ እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ ዴንማርክ እቲ ኦሚክሮን ዝባሃል ቫይረስ እቲ ዓብላሊ ጅር ብምዃኑ እዩ” ክብል ሄውኒከ ገሊጹ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com