Saturday , May 18 2024

ናይ’ቲ ቈልዓ ድሕነት

ብዛዕባ ናይ’ቲ ቈልዓ ድሕነት ምሕሳብ ኣገዳሲ እዩ። ውላድኪ ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ንዘሎ ተኽእሎ ክንክዮ ይኽእል እዩ።

ቈልዑ ኣብ ማይ
ቈልዑ ብዝቐልጠፈ ምሕንባስ ክምሃሩ ኣገዳሲ እዩ።

ቈልዑ ኣብ ማይን ጃልባን ክህልዉ ኸለዉን ኣብ ገምገም ባሕሪ ክጻወቱ ኸለዉን መንሳፈፊ ጃኬት ክወድዩ ኣሎዎም። እቲ ሓደጋ ግን ዋላ ኣብ ክፍሊ መሕጸቢ ሰብነት ኣብ ገዛ እውን ኣሎ። ቁሩብ ሰንቲ ሜተር ማይ እኹል ክኸውን ይኽእል እዩ። ንውላድኪ ኣብ ጥቓ ማይ ጨሪሽኪ ንበይኑን ኣይትግደፍዮ፡ ከምኡ’ውን ብኢድኪ ክትሕዝሉ ካብ ዘይትኽእልሉ ቦታ ኣይትርሓቒ።

መንሳፊፊ ጃኬት ዘይብልኪ እንተ ኾንኪ መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ መንሳፈፊ ጃኬት ካብቲ ኮሙን ክትካረዪ ትኽእሊ ኢኺ።

ቈልዑን ብሽክለታን

ኵሎም ክሳብ 15 ዓመት ዕድሚኦም ቈልዑ ናይ ግድን ናይ ብሽክለታ ቆብዕ ክገብሩ ኣሎዎም። ንሓደ ቈልዓ ብዘይ መከላኸሊ ቆብዕ ኣብ ብሽክለታ እንተ ኣስቂልክዮ (ኣጎርቢትክዮ) ብገንዘብ ክትቅጽዒ ትኽእሊ ኢኺ።

እቲ መከላኸሊ ቆብዕ ኣብ ርእሲ ትኽ ኢሉ ኮፍ ክብልን ጸኒዑ ክሕዝን ኣሎዎ። ንድሕሪት ወይ ንቕድሚት ተደፊኡ እንተ ተኣሲሩ ኣይከላኸልን እዩ።

ቈልዑን ኣብ ማኪና
ኣብ ሽወደን ኵሎም ብማኪና ዝጕዓዙ ኣብ ቅድሚትን ድሕሪትን ኮፍ መበሊ ዕጣቕ መንበር (ቍልፊ ድሕነት) ክጥቀሙ ኣሎዎም ዝብል ሕጊ ኣሎ። ካብ 135 ሰንቲ ሜተር ዝሓጽሩ ቈልዑ ብተወሳኺ ፍሉይ መከላኸሊ ናውቲ፡ መከላኸሊ ህጻን፣ ናይ ቈልዓ መንበር ናይ ማኪና ወይ ክብ መበሊ መንበር ክጥቀሙ ኣሎዎም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com