Sunday , May 19 2024

ናይጀርያ: ልዕሊ 1800 እሱራት ኣምሊጦም ተባሂሉ

ኣብ ናይጀርያ፡ ሓደ ጉጅለ ዕጡቓት፡ ንሓደ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምጥቅዖም 1800 ዝኾኑ እሱራት ምምላጦም ሰብመዚ እታ ሃገር ሓቢሮም።

እዞም ዕጡቓት: ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ናይጀርያ እትርከብ: ኦወሪ እተባህለት ከተማ: እዮም ነዚ ስርሒት ዝፈጸሙ። ንሳቶም ተፈንጃሪ ሒዞም ናብ ቀጽሪ እቲ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምእታው፡ ነቲ ምምሕዳር ኣዕንዮም ነቶም እሱራት ከም ዝብተኑ ገይሮም። ካብቶም ኣብኡ ተኣሲሮም ዝነበሩሞ ዘምለጡ፡ ዛጊት 6 ክምለሱ እንከለዉ፡ 36 ዝኾኑ ምህዳም ኣብዮም ኣብኡ ከም ዝጸንሑ እቶም ሰብመዚ ወሲኾም ገሊጾም።

ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ፡ እጉድ ዕጡቕ ደቀባት ባያፍራ ምዃኑን፡ ዛጊት 1844 እሱራት ኣምሊጦም ምህላዎም ኣገልግሎት ተሃድሶ ናይጀርያ ሓቢሩ’ሎ።

ፕረሲደንት ናይጀርያ፡ ነዚ ፍጻሜ ግብረ ሽበራዊ ተግባር ብምባል ኮኒንዎ ኣሎ። ኣባላት ጸጥታ እታ ሃገር ንፈጸምቱን እቶም ዝሃደሙ እሱራትን ክሃድንዎም ጸዊዑ።

ኣፈኛ ደቀባት ባያፍራ፡ ንኣጃንስ ፍራንዝ ፕረስ፡ ኣብ ዝሃቦ ቃል ነዚ ክሲ “ውጹእ ሓሶት” ክብል ውዱቕ ጌርዎ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com