Friday , May 17 2024
STOCKHOLM 20201025 Studenter i provsalen på Stockholms Universitet där söndagens högskoleprov genomförs. Foto Janerik Henriksson / TT kod 10010

ናይ ሎሚ ዓመት ናይ ዩኒቨርስቲ መእተዊ መርመራ፡ ብ UHR ክካየድ እዩ ተባሂሉ

ኣብ ዕለት 24 ጥቅምቲ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ናብ ዩኒቨርስቲ ዘእቱ ፈተና፡ ኣብ ትሕቲ ምክትታል ኮንስላዊ ጉዳያት ዩኒቨርስታትን ኮሌጃትን (UHR) ክካየድ ምዃኑ ካብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህሪቲ ዝወጸ መግለጺ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ሓላፍነት ናይ መርመራታት፡ ካብ ኮንስላዊ ጉዳያት ናብተን ዩኒቨርሲታትን ኮሌጃትን ካብ ዕለት 01 ሓምለ ክምለስ ተመዲቡ እዃ እንተነበረ፡ መንግስቲ ግን ክሳብ ዕለት 01 ጥሪ ናይ ዝቕጽል ዓመት ከጽነሖ ወሲኑ። ከምዝዝከር፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ካብ ወርሒ መስከረም 2020 ጀሚሩ፡ እዚ ሓላፍነት ንኮንስላዊ ጉዳያት ዩኒቨርስታትን ኮሌጃትን ከም ዝሃቦ ይፍለጥ።

እዚ ሓላፍነት ናይ ምንዋሕ ውሳኔ፡ ብስምምዕ ናይ መንግስቲ፡ ሰልፊ ሰንተርን ሰልፊ ሊበራልናን ዝተፈጸመ እዩ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com