Saturday , May 18 2024

ናይ መንብሮ ሓገዝ ብ 25% ወሲኹ ተባሂሉ

እቲ ንቆልዑ ዘለወን ስድራቤታት ተባሂሉ ዝወሃብ ዝነበረ ናይ መንብሮ ሓገዝ ብ 25% ንኽውስኽ ዝተመሓላለፈ ውሳኔ ካብ ሎሚ ዕለት 02/07/2020 ጀሚሩ ግብራዊ ክኸውን ትጽቢት ይግበር።

መንግስቲ ሽወደን ብሊበራላውን ማእከላይን ሰልፍታት ተደጊፉ ነዚ ግዝያዊ ናይ መንብሮ ሓገዝ (bostadsbidrag) ከም ዝወሰነ ሬድዮ ኢኮት ምቅልሑ ይዝከር።

መንግስቲ ሽወደን፡ ነዘን ቆልዑ ዘለወን ስድራ ቤታት ተባሂሉ ዝወሃብ ዝነበረ ናይ መንብሮ ሓገዝ ካብ ዕለት 01/072020 ክሳብ 01/09/2020 ዘሎ ግዜ ብ25% ክውስኾ ምኻኑ ኣረጋጊጹ።

እቲ ተወጢኑ ዘሎ ገንዘባዊ ወሰኽ ክሳብ 560 ሚልዮን ክሮነር ክኸውን ከምዝኽእል ሚኒስተር ኣባይትን ዕዳጋታት ገንዘብን፡ ፒር ቦሎንድ፡ ሓቢሩ።

ቆልዑ ዘለወን ስድራ ቤታት ነዚ ሓገዝ ንክረኽባ ጠለብ (ሕቶ) ምቕራብ ኣየድልየንን እዩ። እቲ ሓገዝ ብቕጽበት ክውሰኸን ከምዝኾነ ማዕከን ሓበሬታ ሽወደን ሓቢሩ ከምዝነበረ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com