Sunday , May 19 2024
The Swedish Work Environment Authority threatens a penalty if the working environment in the maternity ward at Central Hospital in Karlstad does not improve. Foto: Pontus Lundahl / SCANPIX / Kod 10050

ናይ ስራሕ ኩነታት፡ ከቢድ ዋጋ ዘኽፍል ክኸውን እዩ

ኣብ ክፍሊ መወልዳን ናይ ማእከላይ ሆስፒታል ካርልስታድ ዘሎ ናይ ስራሕ ኩነታት (ሃዋሁ)፡ ብጣዕሚ ትሑት ብምዃኑ፡ ነቲ ንግዲ፡ ናይ 300 ሽሕ ክሮነር ክሳራ ከውርደሉ ከምዝኽእል ዜና SVT Värmland ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ሽወደናዊ በዓል መዚ ናይ ኩነታት ስራሕ፡ ኣብቲ ሆስፒታል ዘሎ ናይ ስራሕ ሃዋሁ ንኽመሓየሽ ኣዘኻኺሩ ምህላዉ ገሊጹ። እቲ ከምሓየሽ ዝሕተት ዘሎ ሸነኽ፡ ኣብ ኣባላትን ክኢላዊ ዓቕሚን ዘሎ ሕጽረት ዘጠቓልል ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ዝኾነ ምምሕያሽ እንተዘይተገይሩ ግን፡ እቶም ሰራሕተኛታት ናይ ሕማም ወይ መጉዳእቲ ሓደጋታት ከንጸላልዎም ተኽእሎታት ኣሎ ክብል እቲ በዓል መዚ ኣጠንቂቑ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com