Saturday , May 18 2024

ናይ ሶሻል ዲሞክራትና ተፈታውነት የንቆልቁል . . . . ተፈታውነት ሰልፍታት ዓቃባውን SDን ድማ ይውስኽ

ሰልፊ ሶሻል ዴሞክራትና ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ብዝሒ ደረጃ መረጽቲ ንታሕቲ ምውራዱ ተገሊጹ። ብመሰረት ሓድሽ ዳህሳስ ተሌቪዥን ሽወደን እዚ ሰልፊ ናይ 28.3% መረጽቲ ድጋፍ ከም ዘለዎን እዚ ድማ ምስቲ ኣብ 2018 ዝነበሮ ዝመዓራረ እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣውሮጳ እንተላይ ሽወደን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ህዝቢ ምስ መሪሕነቱ ዘለዎ ዝምድና ክጠብቕ ክኢሉ እዩ። ኣብ ወርሒ ግንቦት ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና ዝነበሮ ድጋፍ 31.5% ምንባሩ እንተኾነ ኣብ ወርሓ ነሓሰ ናብ 28.3% ምውራዱ ኣገዳሲ ምዕባለ ምዃኑ ድማ ተመልኪቱ።

ብመሰረት እዞም ዳህሳሳት፡ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና ዝነበሮ ተፈታውነት፡ በቲ መወዳድርቱ ዝኾነ ዓቃባዊ ሰልፊን ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ማለት SD ተወሲዱ ኣሎ። እዘን ክልተ ሰልፊታት ዘይከም ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና፡ ብመንእሰያት ተፈተውቲ እናኾና ምምጽአን ድማ ተገሊጹ’ሎ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ እዚ መጽናዕቲ ዘካየደ ትካል (ማለት ኖቩስ ) ዝኾነ ቶብዦርን ኾስትሮምን፡ ስቬርያ ዲሞክታርስ፡ ኣብዚ ክረምቲ  ድሕሪ ዘጋጠመ ናይ ተኹሲ ኣጋጣሚታትን ሕጊን ስርዓትን ንምስፋን ብዘይምኽኣል፡ ተቐባልነት ምርካቦም ይገልጽ። ናይ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና ማሕበር መንእሰያት፡ እቲ ሰልፊ፡ ገበናት ንምጉዳል ሕጊ ክተርር ጻውዒት ጌሩ’ሎ።

ኣብያተ ትምህርቲ ሓላፍነተን ክገብራ ኣለወን። ማሕበራዊ ኣገልግሎታት እኹል ምንጭታት ሃልይወን፡ መንእሰያት፡ ኣብ ክንዲ ቀንፈዘው ክብሉ ዝውዕሉ ኣብ ስራሕ ክዋፈሩ ክንገብር ኢና” ክብል ፕረሲደንት ፈደሬሽን ፊሊፕ ቦትስትሮም ሓቢሩ’ሎ።

ብተወሳኺ ኣብ መንጐ ዘይምውህሃድ ስደተኛታትን ገበንን ዘሎ ምትሕሓዝ ድሕሪ ምብራህ፡ ሶሻል ዲሞክራትና ትርር ዝበለ ናይ ኢሚግሬሽን ፖሊሲ ክኽተል ምምዳቡ ይዝከር። ዝበዝሑ መንእሰያት ምስ ዓቕሚ ምውህሃድ ዝሳነ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ክህሉ እዮም ዝደልዩ” ክብል ድማ ኣብሪሁ።

እዚ ይኹንምበር፡ ኣብቲ ፈደሬሽን ዝተፈላለየ ርእይቶታት ምህላዉን ምብዛሕ ገበን ምስ ስደተኛታት ርክብ ብዛዕባ ዘለዎ ምዃኑ ዘእምን መርትዖ የሎን ኢሎም ዝኣምኑ ኣለዉ ክብል ፕረሲደንት ናይቲ ኣብ ስኮና ዝርከብ ማሕበር፡  ሌይስ ኣልባያቲ ሓቢሩ።

ብፍላይ ምስ ምብዛሕ ገበን፡ ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ማሕበር፡ ናብ የማን ገጹ ምዝዛዉን  ኣፍሊጡ። ንቊጠባዊን ማሕበራውን ሽግር  ብኸመይ ንፍታሓዮ ዝብል ዘተ ዘይተኻየደ፡ ፖሊሲታት ንምትራር ዘተ ይካየድ ኣሎ ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

And the Novus poll participated in 3804 Swedish voters. Conservatives got 21.2 percent, Sweden’s Democrats 19.4 percent, the left 9.3 percent, the center 7.6 percent, Christian democrats 5.8 percent, the environment 3.8 percent, and the liberals 2.9 percent.

ብመሰረት ኖቩስ ካብ 3804 ሽወደናውያን መረጽቲ ዝገበሮ መጽናዕቲ

 ዓቃባዊ ሰልፊ ብ 21.2 %

 ስቬርያ ዲሞክርታና  ብ 19.4%

ጸጋማይ ሰልፊ ብ9.3%,

ማእከላይ ብ 7.6 %

ክርስትያን ዴሞክራት ብ5.8%

ሓምላይ ሰልፊ ብ3.8% ከምኡውን ሊበራላት ብ2.9 % ረኺቦም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com