Monday , May 20 2024
Fredrik Sandberg / TT / kod 10080

ናይ ሽወደን ዕዳጋ ስራሕ፡ ኣብ ታሪኹ እቲ ኣዚዩ ዝጸንከረ ቀውሲ የጋጥሞ።

ሚኒስተር ዕዮ ኤቫ ኖርድማርክ፡ ኣብ ሽወደን ብዝሒ ስራሕ ኣልቦነትን ምድስካልን ኣጸጋጋሚ ኩነታት ፈጢሩ ከም ዘሎ ገሊጻ። ኣብዚ ግዚ እቲ ቤትጽሕፈት ዕዮ ካብ መጋቢት 1 ጀሚሩ ተወሰኽቲ 122,000 ስራሕ-ኣልቦ ከም ዝመዝገበ ሓቢሩ።

 “እቲ ድስከላ ኣብ ወርሒ መጋቢት 42,000 ነይሩ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ድማ 268000፡ እዚ ድማ ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ ትብል ኖርድማርክ። ኣብ 1992 እቲ ዝለዓለ 22,000 እዩ ነሩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣተኩሮና ስራሕ ምፍጣር እዩ፡ ነቲ ናይ ስራሕ ሰዓታት ብምሕጻር ከኣ ሓደስቲ ስራሓት ክንፈጥር ንኽእል ኢና ትብል። ነቲ ናይ ሰዓታት ስራሕ ምቕናስ ዚምልከት 54 ሽሕን 500ን መጠየቕታታትን ከምኡውን 444 ሽሕ ሰራሕተኛታትን እቲ ውጥን ኣብ ተግባር ንኺውዕል ሓሳብ ኣቕሪቦም። እቲ ናብ መንግስቲ ዝዓለመ ጠለብ 22.3 ቢልዮን ክንሩነር ኮይኑ፡ እቲ 17.9 ግን ዛጊት ተዋሂቡ እዩ። መንግስቲ ነቲ ናይ ሰዓታት ስራሕ ቅነሳ ንምድጋፍ ሓገዝ ሂቡ ኣሎ። በዚ መሰረት እዚ እቲ ሰዓታት ስራሕ ናብ 80% ኪወርድ እዩ፡ እቲ ሰራሕተኛ ድማ ብመንግስቲ እተደጎመ ናይቲ ደሞዙ 90% ካብ ሚእቲ ይወስድ። ከምኡውን ነቶም እተወገኑ ሰባት ዚኸውን ካብቲ ናይ ኤውሮጳ ማሕበራዊ ፋንድ 300 ሚልዮን ከነካፋፍል ኢና፡ እዚ ድማ ክእለቶም ንምሕዳስ ዕድል ይህቦም ትብል ኖርድማርክ።

ኣብ መንጎ ፊናንሳዊ ቅልውላው 2008ን ለበዳ ኮሮናን፡ ከምዚ እዩ፥ እቲ ቀዳማይ ንፍሉያት ኢንዱስትርያታት ከጥቅዕ ኸሎ፡ እዚ ግን ዝሰፍሐ መጥቃዕቲ ኣለዎ፡ ትብል ኖርድማርክ። መጀመርታ እቲ መጥቃዕቲ ለበዳ ኣብ ስቶክሆልምንን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታት ኢዩ ነይሩ፡ ሕጂ ግን ኣብ ኩላ እታ ሃገር እዩ ኣስጊኡ ዘሎ ትብል ንሳ። እቲ ቀውሲ ንሆቴላትን ኣብያተመግብን ንግድን መጎዓዝያን ኢዩ ብፍላይ ኣጥቂዑ ዘሎ። ከምኡውን እቲ ባህላዊ ሰክቶርን ናይ መስተንግዶ ንጥፈታትን ተለኪሙ ኣሎ። ገና ኣብቲ ፈላሚ ደረጃ ቀውሲ ኢና ዘሎና፡ ገና ድማ ጥልቂ ዝኾነ ትንተና ኣይገበርናን ትብል ኖርድማርክ።

ኖርድማርክ ነቲ ኣብ መንጎ ሰብኡትን ኣንስትን ዘሎ ናይ ስራሕ ምዝገባ እውን ጠቒሳ ተዛሪባ። ኣብቲ እዋን ፊናንሳዊ ቀውሲ፡ ኢንዱስትሪያታትን ሰብኡትን እዮም ዝያዳ ተጠቒዖም ነይሮም፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ግን እቲ ብዝሒ ዝያዳ ኣብ መንእሰያት ኣንስቲ ይረአ ኣሎ፡ ምኽንያቱ ድማ ኣንስቲ ዝያዳ ኣብቲ ንመጥቃዕቲ እተቃለዐ ሰክተር እየን ዚስርሓ፡ ትብል። እቶም ፍሉይ ክንክን ዘድልዮምን ትሑት ትምህርቲ ዘለዎምን ወጻኢ መበቆል ዘለዎም መንእሰያትን ኣብቲ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ንሃስያ ቅሉዓት ኢዮም፡ ትብል ኖርድማርክ። እቲ መንግስቲ ንመንእሰያት ናይ ሓጋይ ስራሓት ንምርካብ ኪሕግዞም ብማለት 180 ሚልዮን ሰሊዑ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com