Saturday , May 18 2024
Commissioner for Health and Food Safety Stella Kyriakides (Julien Warnand, Pool Photo via AP) STR116

ናይ ኮቪድ ፓስፖርት፡ ን 9 ኣዋርሕ፡ ዘገልግል ዕድመ ክህልዎ እዩ፡ ተባሂሉ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ድሕሪ ዘመሓላለፎ መምርሒ፡ ኤውሮጳዊ ኮሚሽን፡ ንጉዳይ ናይቲ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝጥቀምሉ ናይ ኮቪድ ፓስፖርት ብዝምልከት፡ ናይ ኣገልግሎት ዕድሚኡ፡ 9 ኣዋርሕ ንክኸውን እማመ ከምዘቕረበ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ብደረጃ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝግበሩ ጉዕዞታት፡ ውሑስ ምእንቲ ክኾኑ፡ እቶም ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝዋሃቡ ናይ ኮቪድ ፓስፖርት፡ ኣገልግሎት ዝህቡሉ ናይ ብቕዓት ግዜ ተመሳሳሊ ክኸውን ኣድላይ እዩ” ክትብል ኮሚሽነር ጥዕና ስቴላ ሺርያኪደስ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጣ።
እዚ ከም ሕጊ ክተኣታቶ ዝሕሰብ ዘሎ እማመ፡ ቅድም ክብል ንዝነበረ ናይ 9 ወርሒ ናይ ብቕዓት እዋን ንኽህሉ ዝጠልብ ዝነበረ መምርሒ ዝትክእ ከምዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። እተን ኣባል ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረትን ባይቶ ኤውሮጳን ናይ ሓባር መርገጺ እንተዘይሒዘን፡ እዚ ናይ 9 ወርሒ ክፍለ-ግዜ ክቑጸር ዝጅምረሉ ዕለት፡ ካብ ዕለት 1 የካቲት ክጅምር ትጽቢት ይግበረሉ።
እቲ ናይ ብቕዓት ክፍለ-ግዜ ኣብ ስራሕ ዝውዕለሉ ዕለት ክቑጸር ዝጅምረሉ ግዜ፡ ድሕሪ እቲ ካልኣይ እብረ ክትባት ካብ ዝውሰደሉ ግዜ ጀሚሩ ወይ ድማ እቲ ክትባት ብሓደ እብረ ጥራሕ ዝዋሃብ ዓይነት እንድሕር ኮይኑ ድማ፡ ካብቲ ባዕሉ ክትባት ዝተወሰደሉ ግዜ ጀሚሩ ከምዝቑጸር ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ይኹን እምበር፡ ነቶም ሳልሳይ እብረ ክትባት ዝወሰዱ ሰባት፡ ዕድመ ናይ ኮቪድ ፓስፖርት፡ ንዘይተወሰነ ግዜ ዝሰርሕ ምዃኑን እዚ ድማ ምስ ዕድመ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ናይ ሳልሳይ እብረ ክታበት ዝተሓሓዝ ምዃኑ ተፈሊጡ።
ይኹን እምበር፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት፡ ክሳብ ክንደይ ዝጸንሕ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ክፈጥር ከምዝኽእል፡ ክሳብ ሕጂ፡ ንጹር ዝኾነ ሓበሬታ ክርከብ ከምዘይከኣለ እቶም ጸብጻባት ይሕብሩ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com