Sunday , May 19 2024

ናይ ፖሊስ ተኣፈፍቲ ኤሌክትሮኒካዊ ደብዳቤታት ብጌጋ ናብ ኢድ ውልቀሰባት ኣትዩ።

ኣብ መንጎ ሓለፍቲ ፖሊስ ዝግበር ውሽጣዊ ምጽሕሓፍ ኤሌክትሮኒካዊ ደብዳቤታት ይኹን ምስ ካልኦት ሰራሕተኛታት መንግስታውያን ትካላት ዝግበር ዝነበረ ተኣፋፍን ሚስጢራውን ጽሑፋት ኣብ ናይ ውልቀ ሰባት ኤሌክትሮኒካዊ ሕሳብ ከምዝበጽሐ ተሌቭዥን ሽወደን ኣቃሊዑ። ከምዚ ዓይነት ፍጻመ ምግጣሙ ዘሕዝንን ሳዕቤኑ ከቢድ ክኸውን ከምዝኽእልን ብፍላይ ድማ ኣብ ኢድ ዘይተደልዩ ሰባት ምስ ዝወድቕ ድማ ሓደገኝነቱ ዝኸበደ ይኸውን ክብል ሓላፊ ሓለዋ ሓበሬታታት ፖሊስ፡ ማትያስ ራቢ፡ ሓቢሩ።

እቲ ዝሶለኸ ደብዳቤታት ብዝሑ ልዕሊ 100 ኮይኑ፡ ሓበሬታታት ብዛዕባ ገበናት፡ ጥርጡራት ሰባት፡ ግዳያት፡ መርመራታት ፖሊስ፡ ውልቃዊ ሓበሬታ ናይ ብዙሓት ሰባትን ማሕበራዊ ሰነድ ዋንነትን ዘጠቓለለ ነይሩ። እዚ ካብ ፖሊስ ብጌጋ ናብ ውልቀ ሰባት ዝበጽሐ ደብዳቤታት ንመጀመርያ ግዜ ከምዘይኮነን ቅድሚ ሕጂ ውን ካብ ቤት ጽሕፈት ኣማኻሪ ሕጊ ምስጢራዊ ቁጽሪ ተሌፎናት ናይ ፈራዶ ክልተ ግዜ ብተመሳሳሊ መንገዲ ብጌጋ ከምዝወጸ ተለቪዥን ሽወደን ኣቃሊሑ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com