Saturday , May 18 2024
Eight deceased with COVID-19 at nursing home in Överkalix (photo፡ Kallestad, Gorm/NTB/TT)

ንልዕሊ ፍርቂ ቁጽሪ መሳርሕቱ ብኮሮና ዝለበደ ሰራሕተኛ ካብ ስራሕ ተባሪሩ

ሓደ ሰራሕተኛ ምልክታት ሕማም ኮሮና እናተሰመዖ ናብ ስራሕ ብምምጽኡ ንካልኦት ብጾቱ ብምልካሙ ካብ ስርሑ ክሰናበት ከም እተገብረ ኣገልግሎት ዜና SVT ሓቢሩ።

እዚ ዝተጠቕሰ ሰራሕተኛ፡ ኣብ ከባቢ ካርልስታድ ዝርከብ መእለይ ሕሙማት ኣልዘሃይመር ክሰርሕ ከም ዝጸንሐን ድሕሪ ምልክታት ሕማም ኮሮና ምርኣዩ መርመራ ጌሩ ውጽኢት ሕማሙ ከይተዋህበ ናብ ስራሕ ከምዝኸደን ድሒሩ ድማ ብኮሮና ተለኺፉ ከምዘሎ ዝሕብር ውጽኢት ከምዝመጾን ቀጺሉ ድማ፡ ፍርቂ ኣባላት ናይታ ዝሰርሓላ ክፍሊ ብኮሮና ክልከፉ ከምዝኸኣሉ ተፈሊጡ።  

ሓላፊ መእለይ ሕሙማት ምምሕዳር ከተማ ካርልስታድ፡ ፔር ዮሃንሶን፡ ነቲ ናይ ምስጓግ ውሳኔ ከረጋግጽ እንከሎ፡ ጠበቓ ናይቲ ሰራሕተኛ፡ ኒልስ ሆግስትሮም፡ ብወገኑ፡ እቲ ምምሕዳር፡ ነቲ ሰራሕተኛ፡ ናይ ምስጓግ መጠቀቕታ ከም ዝሃቦ ይሕብር።

ኣብ ዝሓለፈ ጽድያ፡ ኣብ ኦረብሮ፡ ሓደ ሰራሕተኛ ብተመሳሳሊ ጉዳይ፡ ጠንቂ መልከፍቲ መሳርሕቱ ብምባል፡ ተኸሲሱ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com