Saturday , May 18 2024

ንሓንቲ ቆልዓ ዝተጋሰሰ ሰብኣይ፡ ን6 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ

ሓደ ወዲ 31 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብኣይ ንሓንቲ ጓል 12 ዓመት ቆልዓ ብዕጸ ፋርስ ኣደንዚዙ ከምዝተጋሰሳ ጋዜጣ ዮቶቦሪ ፖስት ሓቢሩ። ብመሰረት እታ ጋዜጣ፡  እቲ ሰብኣይ ሓደ ካብቶም እታ ቆልዓ ትኣምኖም ሰባት ክኸውን ይኽእል እዩ ክትብል ገሊጻቶ።  

እቲ ፍጻሜ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት’ዚ ኣብ ኣሊንሶስ ዝበሃል ከተማ ዘጋጠመ ምንባሩ ይዝከር። እታ ቆልዓ ኣብ ገዛ ናይቲ ሰብኣይ እንከላ እቲ ሰብኣይ ንዱካን ክኸይድ ኢሉ ምስ ወጸ ብድሕሪኡ ሓደ ገጹ ዝተሸፈነ ሰብኣይ ናብቲ ገዛ ኣትዩ ነታ ቆልዓ ብናይ ሓሶት መሳርያ እናፈራረሀ ብምእሳር ነቲ ፍጻመ ተግበሮ። ብድሕሪኡ እቲ ንዱኳን ኢሉ ወጺኡ ዝነበረ ወዲ 31 ዓመት ሰብኣይ ናብቲ ገዛ ተመሊሱ ናይታ ቆልዓ ኩነታት ምስ ረኣየ ንፖሊስ’ቲ ከባቢ ደዊሉ ሓበሮም። ብድሕሪኡ ፖሊስ ናብቲ ገዛ መጺኦም ነታ ቆልዓ ናብ ሆስፒታል ምስ ወሰድዋ፡ እታ ቆልዓ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ናይ ዕጸ ፋርስ ከምዝነበረት ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ፖሊስ ብዝገበሮ ናይ ዘርእን ናይ DNA መርመራታት፡ ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኽበ እቲ ወዲ 31 ዓመት ሰብኣይ ምዃኑ ተረጋጊጹ።  

እቲ ሰብኣይ ነታ ቆልዓ ብምጥቃዑ፡ ብጉሉሕ ምግሳስ ኣብ ልዕሊ ቆልዑን ብምድንዛዝን ተኸሲሱ ናይ 6 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ ኣሎ። ብተዋሳኺ ድማ ኣብ ልዕሊ እታ ቆልዓ ዘውረዶ ጉድኣት (ማህሰይቲ) ካሕሳ ዝኸውን 220,000 ክሮነር ክኸፍል ተፈሪዱ ኣሎ።

እቲ ሰብኣይ ነቲ ዝፈጸሞ ገበን ከምዘይተቐበሎ ገሊጹ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com