Saturday , May 18 2024
Janerik Henriksson / SCANPIX / TT

ንመሰል ቆልዑን ሕጻናትን ዝጣበቕ ትካል ሕጻናት ኣብ መባእታዊ ደረጃታት ሽወደን ዘሎ ኣሰራርሓ ይነቅፍ።

ንመሰል ቆልዑን ሕጻናትን ዝጣበቕ ትካል ሕጻናት ኣድሕን ማለት Rädda Barnen ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ መባእታዊ ደረጃታት ሽወደን ዘሎ ኣሰራርሓ፣ ብፍላይ ከኣ ንትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ዝምልከት ካብ ወጻእተኛታት ወለዲ ንዝዉለዱ ቆልዑ ብዝምልከት ዝግበር ምደባን ኣጸዋዉዓን ዓሌታዉነትን ኣድልዎን ዘንጸባርቕ እዩ ብምባል ድሕሪ ምንቃል ናብ ቤት ጽሕፈት ሰማዒ ጥርዓን ጉዳይ ኣድላዉነት ማለት diskriminering ombudsman። ክሲ ኣቕሪቡ።

እቲ ትካል ንትሕዝቶ እቲ ክሲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ካብ ወጻእተኛታት ወለዲ ኣብ ሽወደን ንዝዉለዱ ቆልዑ ኣብ ኣብያተ ትምሕርቲ ብፍላይ ከኣ ኣብ መብእታዊ ደረጃ ንትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ከም ካልኣይ ቋንቋ ብዝብል ምደባ ምምዳብ ኣድልዎ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ብፍላይ ነቶም ኣብ ሽወደን ዝዉለዱ ቆልዑ ንቋንቋ ሽወደን ከም ቀዳማይ ቋንቆኦም እምበር ከም ካልኣይ ቋንቆኦም፣ ስለዘይኮነ ንዘይተደለየ ኣድልዎን ምንጻልን ካብ ካልኦት ዝዕድም ከምዝኾነ፣ እቲ ትካል ዝገበሮ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።

ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሽወደን ነዚ ሓድሽ ሓሳብ ናይ Rädda Barnen ብቐረባ ብምርኣይ ነቲ ዘሎ ኣሰራርሓ ከምዘጽንዖ ከምዝሓበረ፣ ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን የመልክት።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com