Monday , May 20 2024
Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ንምእጋድ እስላማዊ ሕጃብ ዝተቛወመ ሓለቓ መማህራን ብውለንትንኡ ካብ ስርሑ ተሰናቢቱ።

ሓለቓ መማህራን ናይታ ንምእጋድ እስላማዊ ሕጃብ ዝተቓወመት፡ ኣብ ደቡብ ሽወደን እትርከብ ምምሕዳር ስኩሩፕ (Skurup) እትርከብ ቤት ትምህርቲ፡ ወለንታዊ ስንብታ ካብ መዝነቱ ዝሕብር ወረቕት ሎሚ ኣቕሪቡ። ሓለቓ መማህራን፡ ማትያስ ሌድሆልም፡ “ሓደገኛ ዝኾነ ጉድለት ኣመራርሓ” ንዝቐረበ ክሲ ንምጽራይ ቀሪቡ ከምዝነበረ እታ ምምሕዳር ከባቢ ኣብ ቅንያት በዓል ሓቢራ ነይራ። ይኹን እምበር ሊድሆልም፡ ነቲ ብመንገዲ ምምሕዳር ከባቢ ዝቐረበ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕጃብ ናይ ምእጋድ ውሳነ ብትሪ ከምተቛወሞ ብምግላጽ፡ ሓሳባቱን ሓሳብ ናይቲ ምምሕዳርን ተጻራሪ ምዃኑ ገሊጹ።

ካብ ስራሕ ምስንባቱ ብመንገዲ ናይ ፌስ ቡክ ሒሳቡ ከምዝሓበረ TT ኣቃሊሑ። ባይቶ ምምሕዳር ከባቢ ንጠለብ ሰልፊ ስቨርያ ዲሞክራትና ንምምላእ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ልዕሊ እታ ቤት ትምህርቲ እገዳ ሒጃብን ኒቓብ ወሲኑ ከምዝነበረ ይዝከር። እቲ ውሳነ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ብዙሕ ክትዕ ፈጢሩ ነይሩ። ሊድሆልም ነቲ ውሳነ ከምዘይተቐበሎን ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ቤት ትምህርቲ ንውሳኔኡ ከምዝደገፎን ነቲ ውሳነ ምምሕዳር ድማ ሃይማኖታዊ መሰል ዝገፍፍ ክብል ጸዊዕዎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com