Saturday , May 18 2024
TT

ንምግታእ ኮርኖ ቫይረስ ዝተነድፈ ሓድሽ ሕጊ ከቢድ መቕጻዕቲ ዘጠቓለለ መኻኑ ሰብ መዚ ሽወደን ይሕብሩ

 ካብዚ ዝቅጽላ ክለተ ሰሙናት ንለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ መንግስቲ ትርር ዝበለ ሓድሽ ሕጊ ከተግብር ሙኻኑ ይሕብር። በዚ ተደንጊጉ ዘሎ ሓድሽ ሕጊ መንግስትን ምምሕዳራትን ወይ ኮሚናት ዝልዓለ ስልጣን ዝህልዎም ኮይኑ፣ ንምግታእ እዚ ኮረና ቫይረስ ኣድላዪ ዘበለ ስጉምቲ ስጋብ ምዕጻው ዓበይቲ ናይ ሸቀጥ ማእከላት ወይ ሞላት፣ ዱካናት፣ ምቁራጽ ህዝባዊ ኣገልግልት ከም ኣውቶብሳትን ባቡራትን ዘጥቓለለ ኾይኑ፣ ነዚ ዝጥሓሰ ድማ በቲ ዝልዓለ መቕጻዕቲ ክቐጽዕኦ ስልጣን ከምዘልዎም ይግለጽ።

ነዚ ለበዳ ንምዕጋት መንግስቲ ምምሕዳራት ኣድልዪ ዝብልዎ ተወሳኺ ስጉምትታት ክወስዳ ከምዝኽእላ ዝሓበረት ወኪል መንግስቲ ሌና ሃለንግረን፣ ነተን ዝጉድኣ ትካላት ብዝተኽኣለ መጠን ካብ መንግስቲ ሓገዝ ከምዝግበረለንን እዚ ሕጊ ድማ ካብ 10 ጥሪ ጀሚሩ ስጋብ መወዳእታ መስከረም ኣብ ግብሪ ከምዝውዕል ወሲኻ ትግለጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com