Saturday , May 18 2024

ንስራሕ ኣልቦ መንእሰያት ንምሕጋዝ፡ 200 ሚልዮን ክሮን፡ ተሰሊዑ

ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊን፡ ንሓገዝ ምምሕዳራት ከተማ ዝኸውን፡ 200 ሚልዮን ክሮን ክቕርብ፡ መንግስቲ፡ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ምምሕዳራት ከተማ፡ በዚ ገንዘብ ተጠቂመን፡ ንስራሕ ኣልቦ መንእሰያት ዝኸውን ስራሕ ንኽፈጥራ ተባሂሉ ዝወሃበን ዘሎ ሓገዝ ምዃኑ ተገሊጹ። ፍርቂ ናይቲ ገንዘብ፡ ብፍሉይ ነቶም ኣብ ትሑት ቁጠባዊ ዓቕሚ ዘለዎም ከባቢታት ዝነብሩ መንእሰያት ዘተኮረ ክኸውን ምዃኑ መንግስቲ ሓቢሩ።

መሰረታዊ ዕላማ ናይዚ ሓገዝ፡ ነቶም ኣብ ዓመተ 2020 ወይ ድማ ኣብ ዓመተ 2021፡ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ዝወድኡ ወይ ድማ ዝውድኡ  ወይ ድም ኣብ ትሕቲ ምምሕዳራት ከተማ ዝጥወሩ መንእሰያት፡ ዕላማ ዝገበረ እዩ። እዞም መንእሰያት፡ ቀዳማይ ናይ ስራሕ ተመክሮ ንኽቀስሙን፡ ኣብ ታሪኽ ተመክሮ ስራሖም (CV) ድማ ክምዝገበሎም  ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ እዩ ክትብል ሚኒስተር ዕዮ ሽወደን፡ ኢቫ ኖርድማርክ፡ ንማዕከን ዜና ተተ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ገሊጻ።

እዚ ተመዲቡ ዘሎ ስራሕ ናይ ምፍጣር መደብ፡ ናይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ መደብ ኮይኑ ኣብ ዓመተ 2021 ዝትግበር እዩ።

እዚ ውሳኔ፡ ብስምምዕ ናይቶም ኣብ መንግስቲ ዘለዉ ሰልፍታት፡ ሰንተርን ሊበራላውን ዝተፈጸመ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com