Sunday , May 19 2024

ንትሕቲ ዕድመ ዝኸውን ክታበት ኮቪድ-19፡ ኣብ ዝቕጽል ክረምቲ ክቐርብ እዩ

ኣብ ልዕሊ ክሊ ዕድመ 12 ዓመት ክሳብ 15 ዓመት ዘለዉ ቆልዑ ዝተኻየደ ፈተነ ክታበት ኮቪድ-19፡ ጽቡቕ ውጽኢት ይህብ ከምዘሎ ኩባንያ ቢዮንቴክ-ፋይዘር ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ቆልዑ፡ መስርሕ ክታበት፡ ኣብ ዝቕጽል ክረምቲ፡ ክሳብ ምጅማር ሓድሽ ትምህርታዊ ዓመት፡ ብዝዓበየ ደረጃ ንምክያድ መደብ ሒዙ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ቆልዑ ዝተኻየደ ሳልሳይ መድረኽ ፈተነ ናይዚ ክታበት፡ 100% ኣድማዕን ንመጠን ጸረ ኣካል ዘዕብን ምዃኑ፡ ወሃብ ቃል ኩባንያ ፋይዘር፡ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ  መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ዝተኻየደ ፈተነ፡ ኣብ ልዕሊ 2260 ኣብ ክሊ ዕድመ 12 ዓመት ክሳብ 15 ዓመት ዘለዉ ሰባት ዝተኻየደ እዩ ነይሩ።

ኩባንያ ፋይዘር፡ ድሕሪ ናይዞም ኣብዚ ክሊ ዕድመ 12 ክሳብ 15 ዓመት ዘለዉ ቆልዑ ዘካይዶ ዘሎ መጽናዕታዊ መደብ ምስ ወደአ ናብ ክሊ ዕድመ 5 ዓመት ክሳብ 11 ዓመት ዘለዉ ህጻናት ብድሕሪኡ ውን ክሳብ 6 ኣዋርሕ ዝዕድሚኦም ህጻናት ኣቲ መጽናዕታዊ መደቡ ከሰጋግር ምዃኑ ኣፍሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com