Saturday , May 18 2024

ንነበርቲ ሰሜናውን ምዕራባውን ሽወደን ካብ ዝመጽዕ ዓመት ምጒዳል ግብሪ (skatt) ክግበረሎም ምዃኑ ተገሊጹ ።

ብኣግኡ ዝግበር ምጒዳል ቀረጽ ኣብ ሰሜናዊ ጫፍን ምዕራብን ዝርከባ ምምሕዳራት ከተማ ንዝቕመጡ ሰባት ኣርባሒ ስጒምቲ እዩ ተባሂሉ። ኣማኢት ኣሽሓት ተቐማጦ ሰሜናዊ ጫፍን ምዕራባዊ ዞባን ሽወደን ካብ ዝመጽእ ዓመት ጀሚሮም ምጒዳል ቀረጽ ክግበረሎም ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ ምጒዳል ቀረጽ መንግስቲ ማእከላይን ሊበራልን ሰልፊታት ኣብ ዘተ ባጀት ኣብ ስምምዕ ምስ በጽሑ እዩ ኣብ ትግባረ ክውዕል።

እዚ ናይ ቀረጽ ምጒዳል 1650 ክሮና ኣብ ዓመት ኮይኑ ካብ ዝመጽእ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑን ኣካል እማመ ማእከላይ ሰልፊን ጥሪ ዝተኻየደ ስምምዕ ሰልፊታትን ምዃኑ ይፍለጥ። በዚ ምጒዳል ቀረጽ ሽወደን 1.35 ቢልዮን ክሮና ካብ እታወ መንግስቲ ክኽሰር እዩ፡ “ኣብ መንጐ ከተማን ገጠርን ናይ ቀረጽ ጋግ ኣሎ” ክትብል ኣኒ ሎው ንሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ። ኣብ ሰሜናዊ ጫፍን ምዕራባዊ ዞባን ዝነብሩ 830 ሽሕ ዝኾኑ ሽወደናውያን ኣብ ወርሒ 137 ክሮና ናይ ቀረጽ ምጒዳል ክግበረሎም እዩ።

እዚ ምጒዳል ካብኡ ዝዛየደ (ማለት 310 ክሮና) ክኸውን እማመ ሉዊ ምንባሩ’ውን ተገሊጹ’ሎ። ብዙሓት ዓበይቲ ከተማታት ዘለዉወን ከተማታት ካብዚ ምጒዳል ቀረጽ ዝተገለፋ ኮይነን ከተማታት በርሊንግ ፋሉን ሉሊያ ሳንድቫል ኡሚያ ኣብዚ ምግላፍ ዝተቓለላ እየን ተባሂሉ’ሎ።፡ “እዚ ቀዳማይ ስጒምቲ እዩ፥ እዚ ማለት ማእከላይ ኣታዊ ንዘለዎም ኣህዛብ ኢና ምጒዳል ቀረጽ ንገብር ዘሎና” ክትብል ሉዊ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com