Saturday , May 18 2024

ንናይ ቤት ትምህርታት ሓካይም ኣብ ሓደጋ ዘውደቐ መለለይ

እቲ ኣብ ቬስታማላድ ዝሰርሕ ናይ ቤት ትምህርቲ ሓኪም፡ ናይ ሕክምና ምስክር ወረቐቱ ክምንጠል ይግባእ ኢሉ ተቖጻጻሪ ኣካል ጥዕናን ሓለዋን (Ivo) ከምዝኣምን SVT News Västmanland ሓቢሩ።

Ivo፡ ንኣገባብ ኣፈዋውሳ ናይቲ ሓኪም ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ መርመራ፡  ኣብ ልዕሊ 17 ቆልዑ ዝፈጸሞ ኣገባብ ኣፈዋውሳ ንስነፍልጠታውን ሕሉፍ ተሞክሮታት ሕክምናን ብዝጥሕስ ኣገባብ ከምዝተጠቀመ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ንገለ ካብቶም ተመሃሮ፡ ኣብ ሂወት ዘለዎም ሓፈሻዊ ኣጠማምታ ንኽሰፍሕ ብምባል ንጭንቀት ዘዐግስ መድሃኒትን ንሕሙማት ልቢ ዝወሃብ መድሃኒትን ከምዝኣዘዘሎም ተፈሊጡ ኣሎ። ንኻልኦት ስነ-ኣእምሮኣዊ ኩነታት ዘለዎም ሰባት ውን ዝተመሳሰለ መድሃኒት ኣዚዝሎ ነይሩ። ካብዚ ተበጊስና ድማ፡ እቲ ኣገባብ ኣፈዋውሳ ብቐጻሊ ዝጥቀመሉ ከምዝነበረ ክንግምግም ክኢልና ኣለና ክብል Ivo ገሊጹ።

ናይቲ ሓኪም ምስክር ወረቐት ናይ ምስሓብ (ምምንጣል) ውሳኔ ድማ ናብቲ ተሓታቲ ዝኾነ ኮሚቴ ቦርድ ጥዕና ዝግደፍ እዩ ክብል Ivo ጸብጻቡ ደምዲሙ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com