Sunday , May 19 2024
Foto: Henrik Montgomery / TT kod 10060

ንያምኮ ሳቡኒ "ምንም ዝሓፍረሉ ጒዳይ የብለይን"

ብዓርቢ ካብ መሪሕነት ሰልፊ ሊበራል ብፍቓዳ ዝወረደት ንያምኮ ሳቡኒ ድሕሪኡ ንመጀመራት ግዜኣ ን TV4 ኔስትሞርገን ቃለመጠይቕ ጌራ’ላ።

ሳቡኒ ኣብ 2019 እያ መራሒት ሰልፊ ሊበራል ኮይና። ብዓርቢ ድማ መዝነታ ን ምክትል መራሒ እቲ ሰልፊ ዮሃን ፐርሶን ኣረኪባ’ላ። "በዚ ዝሓፍረሉ ምንም ምኽንያት የብለይን። ገለ ብጌጋ ዝተተርጎሙ ነገራት ኣለዉ፡ እዚ ድማ ንዂሎም መራHti ሰልፊ ዘጋጥም ነገር እዩ፡ ምንም ሓድሽ ነገር የብሉን " ድሕሪ ምባል ኲሎም መራሕቲ ሰልፊ ካብ መዝነት ንምውራድ Aቲ ዝሕሸ ግዜ መኣስ እዩ ንዝብል ኲልሳዕ ክዳለዉሉ ዘለዎም ሕቶ ምዃኑ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com