Sunday , May 19 2024
A woman in Kenya receives a dose of COVID vaccine from Astra Zeneca donated by the UK. The picture was taken in August. (AP Photo/Brian Inganga) NAI104

ንድኻታት ሃገራት: ክልተ ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት: ክወሃበን ተጠሊቡ 

ክሳብ ምዝዛም እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት: ክልተ ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት: ንድኻታት ሃገራት ክዕደል: ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል: ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ።

ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዝበዝሐ ሰብ ጸረ ኮቪድ ክትባት ከም ዝወሰደ ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ እንተኾነ ግና ኣብ ኣህጉራት ኣፍሪቃ ደቡብ ኣመሪካን ክፋላት እስያን መጠን ክትባት ዛጊት ታሕቲ ምህላዉ ወሲኹ ገሊጹ።

ካብቲ ኣብ መላእ ዓለም እተዘርግሐ 5.76 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት: ዛጊት 0.3% ናብ ዝወሓደ ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ተመቓሪሑ ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ገሊጹ። 80% ካብዚ ብልቃጥ ናብ ልዑልን ማእከላይ ኣታዊን ዘለወን ሃገራት እዩ ተላኢኹ።

ኣመሪካ 500 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት: ብመልክዕ ሓገዝ ንምብርካት ተዳልያ ምህላዋ ኣብ ቀረባ እዋን: ጆ ባይደን: ክገልጽ ምዃኑ በዚ ድማ እታ ሃገር ንድኻታት ሃገራት እትገብሮ ምወላ ብዕጽፊ ክትውስኽ ተዳልያ ምህላዋ ሮይተርስ ጸብጺቡ’ሎ።

በዚ ድማ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል: ዝተረፋ ሃገራት: ንኣመሪካ ብምኽታል ሓገዘን ከሰስና ጸዊዑ’ሎ።

ካልኦት ሃገራት እውን ኣብ ክንዲ ባዶ መብጽዓታት ናብ ተግባር ክሰጋገር ኣለወን፥ እንተዘይኮይኑ ግና ህይወት እናተቐዝፈ ክቕጽል እዩ” ክትብል ዳይረክተር ኣምነስቲ ኣግነስ ካልማርድ ተማሕጺና’ላ።

ኣምነስቲ: ንኲባንያታት ኣስትራ ዘነካ: ፋይዘር: ሞደርና: ኖቫቫክስን ጆንሶንን ክትባት ኣብ ምዝርጋሕ ዝግባእ ምትሕብባር ኣየርኣያን ብምባል ወቒሱወን ኣሎ።

ኣስትራ ዘነካ ነዚ ክሲ ብትሪ ነጺግዎ’ሎ።

ንሕና ነቲ ኣምነስቲ እተላበዎ መጠን ማለት 50% ዕደላ ዶዛት ንድኻታትን ማእከላይ እቶት ዘለወንን ሃገራት ዝዘርጋሕና ቀዳማግ ኲባንያ ኢና” ክብል እቲ ብብሪጣንያን ሽወደንን ዝውነን ኲባንያ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com