Monday , May 20 2024

ንገበን ጾታዊ ምግሳስ ብዝምልከት ዝተረረ መቕጻዕቲ ክውሰን ከምዝኽእል ተሓቢሩ።

መንግስቲ ሽወደን፡ ንገበናት ጾታዊ በደላትን ምግሳስን ብዝምልከት ዝተረረ መቕጻዕቲ ንኽውሰን ይጽውዕ። ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ተባዕታዊ በደላትን ዓመጽን ዓቢ ጸገም ሕብረተሰብ እናኾነ ይመጽእ ምህላዉ ሚኒስተር ሞርጋን ዮውሃንሰን ገሊጹ። ነቲ ዝስራሓሉ ዘሎ ሕጊ ንምቕያሩ ዘኽእሉ መንገድታትን ንኸጽንዑ፡ መንግስቲ ሽወደን ንኽኢላታት መምርሒ ከምዘመሓላለፈ ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ መጽናዕቲ፡ ንገበናት ምግሳስ ዝምልከት መቕጻዕቲ ካብ ሰለስተ ዓመታት ማእሰርቲ ዝዛየደ ክኸውን ከምዘለዎን ንጾታዊ በደላትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰሉ ገበናት ድማ ኣብ ግምት ዘእተወ መጽናዕቲ ንኽኸውን መንግስቲ ድልየቱ ገሊጹ። መቕጻዕቲ ናይ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ገበናት ምትራር፡ ንኽብደትን ሓደገኝነት ናይቲ ገበን ንምንጻር ተባሂሉ ምዃኑን እቲ መጽናዕቲ ድማ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት 2021 ክዛዘም ምዃኑ ተሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com